ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኦህዴው ካብ ሓላፍነት ፓርትን መንግስትን ተላዒሎም


ናይ ኦሮሞ ህዝባዊ ዴሞክራሲያዊ ውድብ/ኦህዴው/ ንክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ካብ ሓላፍነት ፓርትን መንግስትን ኣልዒሉ።

ኣብ ከተማ ኣዳማ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም 81 ማእኸላይ ኮሚቴ ኦህዴው ፈጻሚ ስራሕ ኦህዴውን ኢህወዴግን ከምኡ እውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦህዴው ኣቶ ዳባ ደበሌ ሒዞምዎ ካብ ዝነበረ ሓላፍነት ዝተልዓሉ ኽኾኑ ከለው ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኖም ከምዝቕጽሉ ግን ተፈሊጡ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦህዴውን ኢህወዴግን ከምኡ እውን ሓላፊ ቢሮ ሃብቲ ተፈጥሮ ክልል ኦሮሚያ ዝነበሩ ኣቶ ዘላአለም ጀማነህ ካብ ሓላፍነቶም ተላዒሎም ክሳብ ዝቕጽል ናይ ኦህዴው ጉባኤ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድባዊ ስራሕ ምእጋዶም ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺበን።

እቲ ገምጋም ብኣቦ -መንበር እቲ ውድብን ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ክልልን ኣቶ ሙክራር ከዲርን ብምኽትል እቲ ውድብን ብማዕረግ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፊደራል ኣተሓባባሪት ዓውዲ ሰናይ ምሕደራ ወ/ር ኣስቴር ማሞን ዝተመርሐ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ዝተኻየደ ዕጽው ገምጋም ምስ ናይ ክልል ኦሮሚያ ዕግርግር፣ጊደ መሪሕነት ከምኡ’ውን ኣብ ሰናይ ምሕደራ ጸገማት ብልሽውናን ዘተኮረ እዩ።

ኢህዴው ኢህወዴግ መረጋገጺ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኦህዴው ካብ ሓላፍነት ፓርትን መንግስትን ተላዒሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:13 0:00

XS
SM
MD
LG