ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ፡ ንግዳያት ሓደጋ ምፍራስ ዝተአኸበ ጎሓፍ ምጥያስ ብምምሕዳር አዲስ አበባ ከምዝፍጸም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አዲስ አበባ “ቆሼ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ዝተአኸበ ጉሓፍ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 113 ምብጽሑን ምንዳይ ሬሳ ቀጺሉ ከምዘሎን ተሓቢሩ።

በቲ ሓደጋ ጉድአት ንዘጋጠሞም’ውን ናይ ምጥያስን ስራሕ ብምምሕዳር አዲስ አበባ ከተማ ከምዝፍጸም ተገሊጹ’ሎ።በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ዝወሃብ ህጹጽ ረድኤት ቀጺሉ’ሎ ክብል ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ ገሊጹ’ሎ።ግዳያት ኣቲ ሓደጋ እኩል ሓገዝ ኣይረኸቡን ሬሳታት ምንዳይ’ውን ብዝግባእ ኣይካየድ ዘሎ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው።

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን አዲስ አበባ ወ/ሮ ዳግማዊት ሞባስ ብወገነን ፈደራል መንግስትን እቲ ምምሕዳር’ቲ ከተማ ረድኤት ኣብ ምሃብን ሬሳታት ኣብ ምንዳይን ብዘሎ ዓቕሚ ይሰርሑ ኣለው ኢለን። እቲ ምምሕዳር ዓብይ ትኹረት ካብ ዝሃብሉ ሓደ ድማ ንግዳያት ናይ ምጥያስ ስራሕ’ዩ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG