ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ሞት ኣደታት ንምንካይ ዝሕግዝ ሓድሽ ሜላ ውፅኢት መፅናዕቲ ተረኺቡ


ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ
ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ

ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ ንልዕሊ ኣርብዓተ ዓመታት ኣብ ዘካየድዎ ዓሙቕ መፅናዕቲ ሞት ኣደታት ንምንካይ ዝሕግዝ ፈላማይ ሜላ ረኺቦም’ለው ።

ቅድሚ ሎሚ ጠንቂ ሞት ኣደታት ንምፍላጥ ዝካየድ ዝነበረ መፅናዕቲ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ግምታዊ መፅናዕቲ እዩ ነይሩ። ዶክተር ሓጐስ ኣብ ባይታ መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ እዮም ኣካይዶም፤ እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ሜላ መፅናዕቲ ኰይኑ ተወሲዱ'ሎ።

ነቲ መፅናዕቲ ንምክያድ ኣብ ትግራይ ሃንደበት ኣብ ዝተሓረያ 6 ወረዳታት እዩ ተኻይዱ፤ 19 ሽሕ ወላዳት ኣደታት ድማ ኣብቲ መፅናዕቲ ተኻቲተን።

ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ 64 ሚእታዊት ሞት ኣደታት ኣብ እዋን ወሊድ ከምዘጓንፍን ካብዚ ድማ እቲ 34 ሚእታዊት ኣብ እዋን ሕርሲ ልዕሊ ዓቐን ብዝፈስስ ደም ከምዘጋጥምን ተረጋጊፁ እዩ።

ሞት ኣደታት ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ ኣፈላላይ ከምዘለዎ እቲ መፅናዕቲ ይነግር። ኣብ ሓደ ወረዳ ካብ 100 ሽሕ ኣደታት 37 እንትሞታ ኣብ ካልእ ወረዳ ኸዓ ካብ 100 ሽሕ 482 ኣደታት ኣብ እዋን ሕርሲ ህይወተን ከምዝስእና ዶክተር ሓጐስ ዘካየድዎ መፅናዕቲ የረድእ። እዚ ድማ ሕፅረት ክኢላታት ጥዕናን ጉድለት መሰረተ ልምዓትን ዘስዐቦ ፀገም ምዃኑ በሪሁ'ሎ።

ካልኦት ካብ ሕክምና ወፃኢ ንሞት ኣደታት ጠንቂ ዝዀኑ ዘለዉ ፀገማት እውን ኣብቲ መፅናዕቲ ተነፂሮም ኣለዉ። ኣብ ልምዓት ጉጅለ ተወዲበን ኣብ ምትሕግጋዝ ዘለዋ ኣደታት ካብተን ዘይተወደባ ብሰለስተ ዕፅፊ ሞት ከምዝንክይ እተን ተጠቀምቲ እቲ ውዳበ ዘይኰና ድማ ዝያዳ ከምዝህሰያ እቲ መፅናዕቲ ይገልፅ።

ኣብ እዋን ጥንሲ፣ሕርስን ወሊድን በዓል ቤታ ኣብ ጐና ኰይኑ እንተዘይሓጊዙዋ ኣብዚ እውን ብተመሳሳሊ ሞት ብሰለስተ ኢድ ይንክይ። ከም ዓሶ፣ ዓባይ ሰዓል፣ ኤች ኣይቪን ሕማም ልቢን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማም ዝነበረን ኣደታት 6 ዕፅፊ ሞት ከምዘጓንፈን ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ'ሎ።

እቲ ዶክተር ሓጐስ ጎደፋይ ኣካይዶምዎ ዘለዉ መፅናዕቲ ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ ይትርጐም ምህላዉን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ህዝቢ ከምዝዝርጋሕን ድማ ሓቢሮም’ለው።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ2015 ዓ.ም ብመሰረት ዘካየዶ ግምታዊ መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 100 ሽሕ ወላዳት ኣደታት 353 ህይወተን ይስእና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG