ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጻውዒት ኮምሽን መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ መንግስቲ ኤርትራ


ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጉዳይ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፣ ብመንጽር ሰነድ ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኮምሽን ኣፍሪቃ፣ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ግብረ መልሲ ንክህብ መጸዋዕታ ቀሪቡሉ።

እቲ ቅድሚ 4 መዓልታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተላኣኸ ደብዳቤ፣ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ‘ብተወካሊ ሰሎሞን ወልደክርስቶስን ማሕበር ሕጊ ኤርትራዊያንን ንዝቀረበሉ ጥርዓን ተመኩዙ፣ 73 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፣ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምዕባለን ሚኒስትር ገንዘብን ኤርትራ ከምዝነበረ ይሕብር።

ክልቲኦም ወገናት፣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ 17 መስከረም 2018 ብሓይሊታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዘይተነጸረ ቦታ ከምዝተወሰደ ገሊጾም’ለው።

መንግስቲ ኤርትራ ዛጊድ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ እቲ ደብዳቤ ካብ ዝተላኣኸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ብመሰረት ሕጊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ቁጽሪ 98 ንኡስ ቑጽሪ 4 ግብረ መልሲ ንክህበሉ እቲ ኮምሽን ጸዊዑ’ሎ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG