ቢሊየነር ዶናልድ ትራምፕ ሕፁይ ሪፓብሊካዊያን ምዃኖም ትማሊ ሓሙስ ምሽተ ተቐቢሎም።
ዶናልድ ትራምፕ ዘስምዕዎ መደረ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዘስምዕዎ እቲ ዝነውሐ እዩ ተባሂሉ’ሎ።ብዛዕባ ስግኣት እስላማዊ ጂሃዳዊያን፣ሕማቕ ዝበሉዎ ርክባት ንግዲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ 50 ዓበይቲ ከተማታት ኣሜሪካ መቕተልቲ እናወሰኽ ይኸይድ ከምዘሎን ሓዊሱ ሰፋሕቲ ጉዳያት ኣልዒሎም ኣለው።
ትራምፕ ንሓደ ስዓትን ርብዕን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝርዝር ናይ ፖሊስ ንድፊ ሓሳብ ኣይሓዘን ተባሂሉ’ሎ።