ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፖብሊካዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ንሳዳም ሑሴን ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ መደረ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ማዕከናት ዜና ኮይኑ


ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ፈፂሞም ብዝብል ኽስታት ተፈሪዱዎም ብማሕነቕቲ ካብ ዝቕፅዑ ኣስታት 10 ዓመት ዘቑፀሩ ናይ ዒራቕ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሳዳም ሑሴን ሕፁይ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ንቅዲ መሪሒነት ሳዳም ምስ ኣወደሱ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቲዊተር ዝለዓለ መዘራረቡ ኣርእስቲ ኮይኖም ውዒሎም።

" ሳዳም ሑሴን ሕማቕ ሰብ ነይሩ፤ሓቀይዶ?ሕማቕ ሰብ ነይሩ፤ኣዚዩ ክፉእ ሰብ።እንታይ ፅቡቕ ነገር ከምዝሰርሐ ግን ትፈልጡ ዶ? ንኣሸበርትታት ቐቲሉ እዩ።ፅቡቕ ስራሕ እዩ ሰሪሑ" ኢሎም ትራምፕ።

ትራምፕ ኣብ 2014 እውን ዒራቕ ኣብ ትሕቲ ሳዳም ሑሴን ካብ ዝነበረትሉ ብዝኸፍአ ሓደገኛ ኮይና’ላ ክብሉ ብቲዊቴር ኣቢሎም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።

ሓይልታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ጥቓ ከተማ ትክሪት ካብ ዝተሓብእሉ ጉድጓድ ንሳዳም ሑሴን ምስ ሓዙዎም ትራምፕ መራሒ ዒራቕ ምውራዶም ዝደገፉ ይመስሉ ነይሮም።

ንዒራቕ ዝወረሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ነቲ ወራር ካብ ዝጠቐሱዎም ምኽንያታት ገሊኦም ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ሽበራ ከይንቀሳቐስ ምኽልካል ሓዊሱ ዒራቕ ንውሳነታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ብተደጋጋሚ ጥሒሳ ዝብል ነይሩ።

ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ነቲ ሪኢቶ ድሕሪ ምሃቦም ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ዒራቕ ዝነበሩ ሉክማን ፌይሊ ዝተሰምዖም ሓሰን ንምግላፅ ቃል ከምዝሓፅሮም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG