ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ሕጹያት ሪፖብሊካን ሰልፊ ንካልኣይ ጊዜ ክትዕ አካይዶም


ሕጹያት ሪፖብሊካ ሰልፊ ንዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ
ሕጹያት ሪፖብሊካ ሰልፊ ንዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ

ሕፁይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ንምዃን ይወዳደሩ ዘለው ሪፓብሊካዊያን ትማሊ ረቡዕ 27 መስከረም 2023 ምሸት ንኻልኣይ ጊዜ ኽልተ ስዓታት ዝወሰደ ክትዕ ኣካይዶም። ብመሰረት መዐቀኒ ርእይቶታት ህዝቢ ተቐባልነት ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ክትዕ ድሕሪ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ተሰሪዖም ይርከቡ።

ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ነበር ኒው ጀርሲ ክሪስ ክሪስቲ ምስ ሜክሲኮ ዘዳውቡ ዶባት ንምውሓስ ሃገራዊ ሓለዋ ናሽናል ጋርድ ምስ ጉምርክን ምቁፅፃር ዶብን ክፅንበሩ ክገብር እየ ኢሎም።

ኣብ መብዛሕቲኡ ክትዕ ቻይና ፀላኢት ኮይና እያ ቐሪባ።

ኣመሓዳሪት ክፍለ ግዝኣት ሳውዝ ካሮላይና ነበር ኒኪ ሄሊ ንሜክስካዊያን ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ንምጥቓዕ ሓይልታት ፍሉይ ስርሒት ከምዝልእኻን ቻይና ፌንታኒ (ዘደንዚዝ ሓሽሽ) ጠጠው ክሳብ እተብል ምስታ ሃገር ዝካየድ ስሩዕ ርክባት ንግዲ ደው ከምዘብላ ይገልጻ።

ብዛዕባ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ዝተዛረቡ ኣብ ንግዲ ባዮቴክ ዝተዋፈሩ ቪቨክ ራማስዋሚ ድማ ፑቲን እኩይ ውልቀመላኺ ስለዝኾኑ ዩክሬን ሰናይ እያ ማለት ኣይኮነትን ኢሎም። ቻይና ድማ ናይ ብሓቂ ፀላኢት ኢሎም።

ኣብቲ ክትዕ ዘይነበሩ ኣብ ሪፓብሊካን ፓርቲ ቅድሚት ይመርሑ ዘለው ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣድማ የካይዱ ምስ ዘለው ሰራሕተኛታት ዩናይትድ ኣውቶ ኣብ ሚችጋን ንምርኻብ መሪፆም ኣለው።

ኤንቢሲ ኒውስ ዘካይዶ ዳህሳስ ዳርጋ 60 ሚእታዊት ሪፓብሊካዊያን ኣድመፅቲ ንፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ይድግፉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG