ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ፓርላም ሪፓብሊ ማእኸላይ ኣፍሪካ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ስግግር ፕሬዝዳንት ንክኾና መሪፆምወን

The mayor of Bangui, Catherine Samba-Panza, celebrates after being elected interim president of the Central African Republic on Jan. 20, 2014, in Bangui.
The mayor of Bangui, Catherine Samba-Panza, celebrates after being elected interim president of the Central African Republic on Jan. 20, 2014, in Bangui.

ከንቲባ ዋና ከተማ ባንጉዪ ዝነበራን ናይ ስግግር ፕሬዝዳንት ንክኾና ሎማዕንቲ ዝተምረፃን ሳምባ-ፓንዛ እቲ ኣብ መንጎ ሙስሊማትን ክርስቲያንን ንኣዋርሕ ዝፀንሐን ንልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ዘመዛበለን ህውከት ጠጠው ናይ ምባል ስራሕ ይፅበየን።
ብፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ስልጣኖም ንዝወረዱ ሚሸል ጆቶዲያ ዝተክኣ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ንክኾና ኣብዝተኻየደ ውድድር ኣብ ዘስምዕኦም መደረ ሳምባ-ፓንዛ ከንቲባ ማለት ኣማሓዳሪ እታ ከተማን ኣደን ማለት እዩ ኢለን።
ኣብ ብራስለስ ዝተኣከቡ ምንስትራት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣማእቲ ዓቀብቲ ሰላም ናብታ ሃገር ናይ ምልኣኽ ትልሚ ኣፅዲቖም ኣለው።ዩናይትድ ስቴትስ እውን ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ተወሳኺ 30 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ክህብ እየ ኢላ’ላ።
XS
SM
MD
LG