ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተንተንቲ ስለያ ንመቕተልቲ መራሒ ዳዒሽ ኣል-ባግዳዲ ከምዝጠራጠሩ ገሊጾም


መራሒ ዳዒሽ ኣቡ ባክር ኣል-ባግዳዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብደብዳብ ነፋሪት ተቐቲሉ ንዝብሉ ፀብፃባት ተንተንቲ ስለያ ጥርጣርኦም ይገልፁ ኣለው።

ኣንፃር ዳዕሽ ይካየድ ናይ ዘሎ ስርሒት ኣሜሪካ ወሃቢ ቃል ኮነሬል ሪያን ዲሎን ኣሜሪካ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚ ክተረጋግፆ ኣይትኽእልን እያ’’ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ጄፍ ዴቪስ ብወገኖም ሰራዊትና ንናይ ሩሲያ ፀብፃባት ዘረጋግፅ ሓበሬታ የብሉን ኢሎም።

ሰራዊት ሩሲያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ሶሪያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ነፈርቱ ንኣዘዝቲ ዳዒሽ ዒላማ ዝገበረ ዝፈፀምኦ ደብዳብ ንመራሒ ናይቲ ጉጅለ ቀቲለንኦ ኣለዋ ኢሉ’ሎ።

ኣብ ማህበራዊ መራከቢ ብዙሃን ፌስቡክ ሚኒስትር ምክልኻል ሩሲያ ዝወፀ መግለፂ ዳዒሽ ዋና ከተማ ኢሉ ኣብዝፅውዓ ራቃ ኣል-ባግዳዲ ይሳተፈሉ ንዝነበረ ኣኼባ ከምዝደብደባ ይሕብር።

ሩሲያ እቲ ደብዳብ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ፣ንኣስታት 30 ኣዘዝቲ ግንባራትን ኣስታት 300 ሓለውቶምን ከምዝደምሰሰ ገሊፃ’ላ።

ኣል-ባግዳዲ ዝተቐትለ ምዃኑ ንዝተፈላለዩ መራኸቢታት ብምክትታል ዝተፈልጠ ምኻኑን እቶም መራሕቲ ደቡባዊ ከባቢ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባቢ ንምውፃእ ይትልሙ ከምዝነበሩን ሚኒስትር ምክልኻል ሩሲያ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG