ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ግብጺን ኢማራት ዓረብን ምስ ኣጽዋራቶም ሳዋ ኣትዮም ኣለው ንዝብል ጸብጻብ ናይ 2018 ዳእላ ክብሉ ነጺጎሞ


ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ግብጺን ኢማራት ዓረብን ምስ ኣጽዋራቶም ሳዋ ኣትዮም ኣለው ንዝብል ጸብጻብ መደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ዝተፈብረኸን ናይ 2018 ዳእላ’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ።

ዕላማ’ቲ ናይ ሓሶት ወረ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ነቃዕ ንምፍጣር ከምዝኾነ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሳያስ ገለ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ውሑዳን ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘለዎም ብምግላጽ ህዝቢ ሱዳን በዚ ግጉይ ሓበሬታ ኣይክደናገርን’ዩ ማለቶም ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ዝወጸ ዜና ጠቒሱ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኹነታት ብዝምልከት ካብ ዝኾነት ሃገር ንላዕሊ ንኤርትራ ዝያዳ ከምዘሻቕላ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሳያስ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝኸሰርዎ ክመልስዎ ተስፋ እገብር ኢሎም።

Eritrean President Isaias Afewerki 2018
Eritrean President Isaias Afewerki 2018

ጸብጻብ ብዛዕባ ርክብ ግብጽን ሱዳንን ካልኦት ተዛመዲ ጉዳያትን ዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝሃቦ ቃለመጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:48 0:00

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ባይቶ ኣመሪካ ብ HR-128 ዝፍለጥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊን ዲሞክራስያዊ መሰላትን ንኽሕሎ ዝጠልብ ረቂቕ ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ረቂቕ'ዚ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG