ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ደቡብ ሱዳን ዝወደቐት ነፋሪት 32 ሰባት ሞይቶም


.
.

ሓንቲ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ካብ መረፎ ነፈርቲ ጁባ ደቡብ ሱዳን ምስ ተበገሰት ሽዑ ንሽዑ ተሓምሺሻ ብውሑዱ 32 ሰባት ሞይቶም።

ብህይወት ዝተረፈ ሓደ ቆልዓ ከምዝተረኽበ እውን ሰበስልጣን ገሊጾም ኣለው።

ሩሲያ ሰራሕ ኣንተኖቭ ናይ ጽዕነት ኣውሮፕላን ሎሚመዓልቲ ካብ ጁባ ተበጊሳ 800 ሜትሮ ምስተጉዓዘት ኣብ ወሰን ሩባ ናይል ዝርከብ ዱር ተሓምሺሻ።

ኩሎም ግዳያት ተሳፈርቲ ወይ ኣብ ባይታ ዝነበሩ እንተኾይኖም ንጹር ኣይኮነን። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግን ኣብታ ነፋሪት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ሓዊሱ 18 ሰባት ከምዝነበሩ ጸብጻቡ’ሎ።

ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ሓሙሽተ ኣሜሪካዊያንን ሓደ ሩሲያውን ኽኾኑ ከለው ኩሎም በታ ሓደጋ ሞይቶም ኣለው።

Recommended

XS
SM
MD
LG