ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዳያት ጎነጽን ዓመጽን ድሕሪ ምርጫ ኬንያ ሕጂ’ውን ይሳቀዩ ኣለው ይብል ሂማን ራይትስ ዎች


ፋጥማ- ሓንቲ ግዳያት'ቲ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ወዲ 7-ዓመት ወዳ
ፋጥማ- ሓንቲ ግዳያት'ቲ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ወዲ 7-ዓመት ወዳ

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሪፖርት ብኣማኢት ዝቁጸራ ኬንያዊያን ደቂ-ኣንስትዮ ብኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን በሰላ ጾታዊ ዓመጽ ይሳቐያ ከምዘለዋ መንግስቲ’ውን ነዘን ግዳያት ክሳብ ሕጂ ከምዘይሓገዘ ይገልጽ። ድሕሪ ምርጫ ኬንያ 2007- 2008 ዓ.ም.ፈ ብዝሰዓበ ናዕቢ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ዜጋታት’ታ ሃገር ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ምኳነን ይዝከር።

ብመሰረት ጸብጻብ ሂማን ራይትስ ዎች ድሕሪ ምርጫ ኬንያ ብዝተላዕለ ግጭት አስታት 900 ኬንያዊያን ደቂ-ኣንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ምዃነን መብዛሕትአን ድማ ኩነታትን ንዝምልከቶ ኣካል ከምዘየፍለጣ ይገልጽ። እቲ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብተወሳኺ ዝበዝሓ ካብተን ግዳያት ዘድልይ ናይ ሕክምና ረድኤት ኣብ ግዚኡ ብዘይምርኻበን’ውን ካብ ትምህርተንን ስርሓንን ከምዝተጎናደባን ናብረአን ብድኽነት ንምምራሕ ከምተገደዳን የረድእ።

ሓንቲ ካብዘን ግዳያት ጃኹሊን ሙተር መሓዛ ጎረቤታ ካብቲ ግጭት ኣብ ቤታ ንምዕቋብ ዝመጸ ብምምሳል ነቲ ገበን ኣብ ልዕሊኣ ከምዝፈጸመ ትገልጽ።

‘ ብመጀመርያ ብዙሕ ተቃሊስና። ኣነ ነቲ ዝፍትኖ ዝነበረ ክቅበሎ ኣይከአልኹን ብፍላይ ድማ ነቲ ብሓይሉ ዝፍትኖ ዝነበረ ክቕበሎ ኣይክኣልኹን። ደቐይ ኣብቲ ገዛ ደቒሶም ኔሮም። ዳሕራይ ብሓይሊ ክቃለሰኒ ጀሚሩ። ደጋጊሙ ጸፊዑኒ ከበሮ እዝነይው’ን ተቐዲዱ።'

አግነስ ኣዲሂምቦ ኣብ ሂማን ራይትስ ዎች ተመራማሪት ኣብ ጉዳይ መሰላት ደቂ-አንስትዮ አፍሪቃ’ያ ንገለ ካብተን ግዳያት ከምዘዛረበተን ትገልጽ። ገለ ካብተን ግዳያት’ውን ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ከምዝገደፈለን ተረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG