ብመሰረት ጸብጻብ ሂማን ራይትስ ዎች ድሕሪ ምርጫ ኬንያ ብዝተላዕለ ግጭት አስታት 900 ኬንያዊያን ደቂ-ኣንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ምዃነን መብዛሕትአን ድማ ኩነታትን ንዝምልከቶ ኣካል ከምዘየፍለጣ ይገልጽ። እቲ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብተወሳኺ ዝበዝሓ ካብተን ግዳያት ዘድልይ ናይ ሕክምና ረድኤት ኣብ ግዚኡ ብዘይምርኻበን’ውን ካብ ትምህርተንን ስርሓንን ከምዝተጎናደባን ናብረአን ብድኽነት ንምምራሕ ከምተገደዳን የረድእ።
ሓንቲ ካብዘን ግዳያት ጃኹሊን ሙተር መሓዛ ጎረቤታ ካብቲ ግጭት ኣብ ቤታ ንምዕቋብ ዝመጸ ብምምሳል ነቲ ገበን ኣብ ልዕሊኣ ከምዝፈጸመ ትገልጽ።
‘ ብመጀመርያ ብዙሕ ተቃሊስና። ኣነ ነቲ ዝፍትኖ ዝነበረ ክቅበሎ ኣይከአልኹን ብፍላይ ድማ ነቲ ብሓይሉ ዝፍትኖ ዝነበረ ክቕበሎ ኣይክኣልኹን። ደቐይ ኣብቲ ገዛ ደቒሶም ኔሮም። ዳሕራይ ብሓይሊ ክቃለሰኒ ጀሚሩ። ደጋጊሙ ጸፊዑኒ ከበሮ እዝነይው’ን ተቐዲዱ።'
አግነስ ኣዲሂምቦ ኣብ ሂማን ራይትስ ዎች ተመራማሪት ኣብ ጉዳይ መሰላት ደቂ-አንስትዮ አፍሪቃ’ያ ንገለ ካብተን ግዳያት ከምዘዛረበተን ትገልጽ። ገለ ካብተን ግዳያት’ውን ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ከምዝገደፈለን ተረድእ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።