ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቻይናን ግብጽን ብቀዳምነት ተሰሪዓን


ዓለም-ለኸ ንነጻ ፕረስ ዝከራከር ጉጅለ ሎሚ አብ ዘውጽኦ ሪፖርት ቻይናን ግብጽን ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዛ ገሊጹ። እዚ ድማ እተን ሃገራት አንጻር መንግስቲ ንዝወጹ ጽሑፋት ንምእጋድን ንምጉዳልን ብዝገብሮ ፈተነታት ምኳኑ እቲ ሪፖርት ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቅ ትካል CPJ ሎሚ አብ ዘውጽኦ ሪፖርት አብ መላእ ዓለም 199 ጋዜጠኛታት አብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡን እዞም ጋዜጠኛታት ግን ካብ 28 ሃገራት ጥራይ ምኳኖም ገሊጹ እንተኾነ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ 221 ቁጽሪ ዝተአስሩ ጋዜጠኛታት ምጉዳሉ ገሊጹ’ሎ።

እተን ሃገራት ቻይና 49 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳመይቲ ክትከውን ከላ ግብጺ 23 ብምእሳር ካልአይቲ፡ ኢራን ብ19 ጋዜጠኛታት ሳልሳይቲ ኤርትራ ብ17 ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ድማ 10 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ራብዓይቲን ሓሙሸይትን ኮይነን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ጠዉቑ።

ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቻይናን ግብጽን ብቀዳምነት ተሰሪዓን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:18 0:00

XS
SM
MD
LG