ኣብ 2023 ፅልእን ፅንፋዊነትን ኣብ ኣመሪካ ምውሳኹ ትማሊ ሰሉስ ዝወፀ ሪፖርት ኣመልኪቱ። ፀዓዱ ብሄርተኛታትን ዘበግስዎምን ኣንፃር ጉጅለ LGBTQ+ ዝረኣዩ ፅልኣትን ካብቶም ሪከርድ ዝሓዙ ኾይኖም ንዲሞክራሲያዊ ስርዓት እታ ሃገር ከዳኽምዎ ዝፅዕሩ ዘለው ምዃኖም እቲ ዝወፀ ሪፖርት ይሕብር።
ከም ሓበሬታ እቲ ብማእከል ሕጊ ሳውዘርን ፖቨሪቲ ማሕበረሰብ ንርክብ ተመሳሳሊ ፆታ ወይውን LGBTQ+ ኣብ 2023 ኣብ ኣመሪካ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዒላማታት ፅልኣትን ፅንፈኝነትን ምንባሩ ይሕብር።
ተመራመርቲ እቲ ፀብፃብ ከምዝብልዎ እቲ ብፅልኢ ዝተመልአ ዘረባታትን ኣንፃር መንግስታዊ ክልሰ ሓሳባትን ዝያዳ ንስደተኛታት፣ ካብ ፃዕዳ ሕብሪ ዝቆርበቶም ሰባትን ውሑዳን ሰዓብቲ ዘለዎም እምነታትን ብኣሉታዊ መገዲ ከምዝፀልዎም ይዛረቡ።
ቅጥዒ