ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራሞፕ ዘይተሳተፈሉ ክትዕ ሪፐብሊካዊያን ፓርቲ ኣብ ኣይዋ


ሸውዓተ ፕረዚደንታዊ ሕፁያት ደምበ ሪፐብሊካዊ ፓርቲ ትማሊ ምሸት ተኻቲዖም’ለው። ዶናልድ ትራምፕ ግና ኣይተሳተፈን።

ነቲ ክትዕ ካብ ዝመርሑ ጋዜጠኛታት ሓንቲ ሜገን ከልይ ‘ቅድሚ ክትዕ ምጅማሩ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ዚ ኣዳራሽ ዘየለ ሓርማዝ’ስኪ ሪኢቶ ሃቡ’ ኢላ ዓደመት።

ንሳ’ያ ነቲ ንደምበ ሪፐብሊካዊያን ዝመርሕ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ዝነኻኸአቶን ናብ’ዚ ውሳነ’ዚ ዘብቀዐቶን።

ደገፍ ሲሶ ኢድ ሪፐብሊካዊያን ነበርቲ ኣይዋ ዝረኸበ ዶናልድ ትራምፕ፣ ንክትዕ ጓስዩ ናይ ገዛእ ርእሱ መድረኽ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዘሳለጠ እዋን ‘ሕማቅ ኣተሓሕዛ ክግበረልካ ከሎ፣ ንነብስኻ ክትከላኸል ኣለካ’ በለ።

XS
SM
MD
LG