ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃባውያን ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ንኣፈ-ጉባኤ ንምውራድ ይብገሱ


ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ
ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ

ከንጸላሉ ዝጸንሐ ምዕጻው መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንሰልፊ ደሞክራት ብዝምችእ መገዲ ድሕሪ ምንዋሑ፡ ዓቃባውያን ሰልፊ ሪፓብሊካን ንኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ንምውራድ ተበጊሶም ኣለዉ። ካብ ክፍለ-ሃገር ፍሎሪዳ ዝመጽአን ተሪር ነቓፊን ዝዀነ ማት ጌዝ ትማሊ ሰኑይ፡ ንምውራድ ማካርቲ መስርሕ ከም ዝጅምር ንባይቶ ቃል ሂቡ።

ጌዝ ነዚ ተበግሶ ስዒቦም ነቲ ኣፈ-ጉባኤ ክውርዱ ዝደፋፍኡ ውሑዳት ምዃኑ ኣይሰሓተን። እንተዀነ ከም መግለጺ እቲ ኣባል ባይቶ፡ ኬቨን ማካርቲ ንረብሓ ደሞክራት ይሰርሕ ስለ ዘሎ ካብ መዝነቱ ንምእላይ ሰልፊ ሪፓብሊካን ክድግፉዎ ተማሕጺኑ።

ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ድሕሪ’ቲ ጻውዒት፡ “ጽቡቕ ሐራይ ደሓን ፈጽሞ” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መሊሱ።

ኣፈ-ጉባኤ በዚ ተበግሶ’ዚ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG