ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

75 ኣባላት ዝሓቆፈ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ስርሑ ጀሚሩ


መድረክ ዝተገለለ ንውጥናት ገዛኢ ፓርቲ ኣሜን ኢሉ ስለዘይቅበል'ዩ ይብል መድረክ

መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ብደረጃ ሃገር ዘቆሞን ንህንፀት ግድብ ህዳሴ ዘሳልጥን ቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ዓርቢ ስርሑ ከምዝጀመረ ጠቂስና ነይርና።ምስ ሴክረተርያት‘ቲ ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ኣቶ በረከት ስምኦን ዝገበርናዮ ቃለ ምልልስ ንሎሚ ክነቅርበልኩም ኢና።ኣብ‘ቲ ቤት ምኽሪ ዘይተሓወሰ ደንበ ተቃወምቲ መድረኽ‘ውን ዓዲምና‘ለና።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብዓ ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ፣ተቃወምቲ፣ሲቪካዊ ማሕበረ-ሰብን ካልኦትን ኣብ'ቲ ቤት ምኽሪ ክሳተፉ ተወሲኑ'ሎ ክብል ከሎ ንስነ-ምግባር ፓርቲታት ዘይፈረመ መድረክ ግና ተገሊሉ'ዩ ይብል።

ኣበ-ወንበር መድረክ መድረክ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብወገኖም፣ገዛኢ ፓርቲ ንመድረኽ ዘግለሎ ሓቀኛ ተቃዋሚን ንጠለባት ኢህወዴግ ኣሜን ኢሉ ዘይቅበልን ስለዝኾነ'ምበር ንሰነድ ስነ-ምግባር ፓርቲታት ስለዘይተቀበለ ኣይኮነን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG