ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኮንጎ ሓዱሽ ማዕበል ምምዝባል ከስዕብ እዩ ኢሉ ሕቡራት መንግስታት


ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ከባቢ ከሳይ ዳግም ዝተልዓለ ህውከትን ወጥርን ሓዱሽ ማዕበል ህዝባዊ ምምዝባል ከልዕል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝተፈፀመ መጥቓዕትታትን ጠቕላላ ጭካነ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕሊ 24,000 ሰባት ካብ ከሳይ ካባቢ ሃዲሞም ኣለው።

ድሕሪ ዝተወስነ ህድኣት እውን ሰባት ምህዳሞም ቀፂሎምሉ ከምዘለው UNHCR ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG