ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ደብዳብ ነፈርቲ ሱዳን ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ የስግእ


ብመንጎኝነት ኣመሪካ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እንተተበጽሐ ፡ ሰራዊት ሱዳን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ውሽጢ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ቅጽበታዊ ድጋፍ ነፈርቲ ደብዳብ ምክያዱን ኣብ ዳርፉር ድማ ደማዊ ኲናት ተባሪዑ`ሎ።

ትማሊ ረቡዕ 26 ሚያዝያ 2023 እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ብሽምግልና ኢጋድ ኣብ ጎረቤት ጁባ ደቡብ ሱዳን ክዘራረብ ምስምምዑ ሓቢሩ ኔሩ። እቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ን72 ሰዓታት ክናዋሕ`ውን ምሕታቱ ተጠቒሱ`ሎ። እቲ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሓንን ምኽትሉ ዝነበረ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ(ሕሚቴ)ን ዝምርሑ ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር፡ተደጋጋሚ ጻዕርታት ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ተኻይዱ`ዩ። ኩሎም ግን ፈሺሎም።

ሎሚ ሓሙስ`ውን ነፈርቲ ኣል-ቡርሓን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሱዳን ክድብድባ ውዒለን። ኣብ ምድሪ`ውን ብመዳፍዓትን ማሺንጋንን ክትኾሱ ውዒሎም።ሽሕ`ኳ እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ምዃኑ ዝግመት እንተኾነ ዛጊት ብውሕዱ 512 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት 4,193 ከም ዝቕሰሉን ይግለጽ ኣሎ።

ካብታ ርእሰ ከተማ ወጻኢ ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣቐዲሙ ብኲናት ዝተሃስየ ዞባ ዳርፉር`ውን ኲናት ተባሪዑ`ሎ። ተቐማጦ ምዕራብ ዳርፉር ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ይሃድሙ ኣለዉ። ብመሰረት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ መግለጺ ብሰንኪ`ቲ ግጭት ኣብዚ ዞባ 50 ሺሕ ዝኾኑ ሓገዝ መግቢ ዝግበረሎም ዝነበረ ህጻናት ሓገዝ ተቛሪጽዎም ኣሎ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ክሳብ 270 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ካብቲ ከባቢ ናብ ደቡብ ሱዳንን ጫድን ክሃድሙ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ይግምት።

ካልኦት ድማ ብሰሜን ናብ ግብጺ ብምብራቕ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ኣለዉ፡ ክልቲኡ ጉዕዞታት ምድሪ ግን ሓደገኛ ምዃኑ ይግለጽ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብዓሰርታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፡ ጫድ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣትዮም ኣለዉ” ይብል።

እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ነቲ ድሮ ተኣፋፊ ዝኾነ ዞባ መሊሱ ክህውኾ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይሰግኡ። እቲ ኲናት እንተተናዊሑ፡ ካልኦት ኣብ`ታ ሃገር ዘለዉ ዕጡቓት'ውን ክጽንበርዎ ከምዝኽእሉን ኣብቲ ዞባ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ክስዕብ ከምዝኽእልን ናብ ካልኦት ሃገራት`ውን ክልሑኽ ከምዝኽእልን ይግለጽ።

ኣብ ሱዳን ዜጋታት ዘለወን ሃገራት ነቲ ዘይተረረ ምቁራጽ ተኹሲ ተጠቒመን፡ ዜጋታተን ብነፈርቲ ብመራኽብን ብመሬትን ኣሸሓት ሰባት ከውጽኣ ክኢለን ኣለዋ።

ቻይና ዜጋታታ ክተውጽእ ሎሚ ሓሙስ ናይ ውግእ መርከብ ኣጸጊዓ`ላ።

ስርዓት ኣልቦነት ኣብ ዝርኣያ ዘሎ ሱዳን ካብ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ማእሰርቲ እሱራት እንተላይ ካብ ቤት ማሕቡስ ኮበር ዝተዓልወ ውልቀመላኺ ዑማር ኣል-በሽርን ላዕለዎት ሰብ-መዝን ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቦታ ሰይሮም ምውጽኦም ይግለጽ ኣሎ- ።

ካብ መንጎ`ቶም ሃዲሞም ዝብሃሉ ዘለዉ ሓደ ኣሕመድ ሓሩን ኣብ ዳርፉር ብዝነበረ ጥፍኣት ተራ ኔርዎ ተባሂሉ ብኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ኲናትን ጸረ-ሰብኣውነትን ዝድለ ዝነበረ`ዩ። ሓሩን ምህዳሙ፡ ደገፍቲ በሽር ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይሳተፉ ከይህሉ ዝብል ስግኣት ወሊዑ`ሎ።ዑማር ኣል-በሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ድሕሪ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ተስፋ ብምግባር ካብ ስልጣን ምልዓሉ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG