ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝክሪ ሓደ ዓመት ምፍራስ መዓስከር ስደተኛታት ካልያስ


ዝሓሸ ሓድሽ ህይወት ኣብ ብሪጣንያን ሃገራት ኣውሮጳን ንምጅማር ዝትስፈው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት መዕቆቢ ዝነበረ ኣብ ዶብ ፈረንሳን ብሪጣንያን ዝርኸብ ብዱር(ጫካ) ዝፍለጥ ካልያስ ብሰበስልጣን ፈረንሳ ካብ ዝፈረስ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ’ሎ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣስታት 6,500 ኣብ ካልያስ ተዓቑቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ ዒራቕ፡ሱዳን፡ኤርትራን ካልኦት ብኹናት ዝባደማ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ኽኮኑ ከለው ዕላማኦም ብናይ ጽዕነት መካይንን ባቡርን ነቲ ንብሪጣንያ ምስ ፍረንሳ ዘራኽባ መትረብ ብምስጋር ብሪጣንያ ንምብጻሕን ስራሕ ንምርኻብ እዩ።

ኣብ ዝክሪ ሓደ ዓመት ምፍራስ መዓስከር ስደተኛታት ካልያስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:46 0:00

ይኹን ደአ እምበር እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምኳኑን ቁጥዓ ህዝቢ ብምዕራጉን ሰበስልጣን ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብቲ ስደተኛታት ይጉዓዝዎ ዝበልዎ መንገዲ ናይ ኤሌትሪክ ሓጹር ሃኒጾም።እዚ ነቲ ናብ ብሪጣንያ ዝጉዓዙ ቁጽሪ ስደተኛታት ክጉድል ኣበርኽቶ ጌሩ’ዩ።

ኣብ ካልያስ ዝነብር ዝነበሩ ሕብረተሰብ ኣብያተ ክርስትያን፡መሳጊድ፡ ኣብያተ ትምህርቲን ኣብያተ ንግዲን ብምህናጽ ናብራኦም ይመርሑ እንተነበሩ ናብቲ ቦታ ዝበጽሑ ዘይመንግስታዊ ትካላት ግን እቲ ቦታ ንመነባብሮ ምቹእ ከምዘይኮነ ይገልጹ።

ካብ ጥቅምቲ 24,2016 ጀሚሮም ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ብምግዓዝ ነቲ ቦታ ከጽርዩ ኣብ ዝፈተንሉ ፡ ነቲ ቦታ ገዲፎም ዝወጹ ዝነበሩ ስደተኛታት ንመንበሪኦም ከቃጽሉ ተራእዮም እዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብርግጽ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ከምዘይተሃንጸ እንተተገልጸ ነበርቲን ኣብቲ ቦታ ዝሰርሑ ትካላት ግብረ ሰናይ ግን ሕጂ’ውን ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ከምዝውሕዙን ኩነታት ድማ ኣብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ዝኸፍአ ምኳኑ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG