ኣዲስ ኣበባ —
ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝተረኽቡ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖት ኣብቲ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ጸሎት ድሕሪ ምብጻሕ ንምእመናንን ንተዋጋእቲ ወገናት እታ ሃገር መልእኽቲ የሕሊፎም።
ኣብቲ ብምትሕብባር ጉባኤ ሲቪልን ሰብ-ሞያ ማሕበራትን ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ዝተረኽቡ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማቲያስ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፖለቲካዊን ተፈጥሮኣዊን ቀውሲ ጠንቂ ካብ ትእዛዝ ፈጣሪ ዝወጹ “ሓጥኣንን ክፉኣትን” ዝበልዎም ሰባት ተግባራት እዮም ድሕሪ ምባል፡ ንዝርአ ቅልውላው መፍትሒ ንስሓ ከምዘድልይን ምእመናን ብጾም ነዚ ከተግብሩ ኣተሓሳሲቦም።
ሓላፊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብወገኖም ንመንግስቲን ተዋጋእቲ ወገናትን ናይ ሰላም ጻውዒት ኣመሓላሊፎም።
መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስያንን ወንጌላዊያንን ቤተክርስትያን ከምኡ'ውን ኣዴታት ሰላም ኢትዮጵያ ብምባል ዝፍለጣ ምትእኽኻብ ኢትዮጵያውያን ብወገነን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፈን ኣለዋ።
ቅጥዒ