ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ 238 ተአሲሮም ዝጸንሑ ዜጋታት ብይቅሬታ ከምዝፈትሐ ተገሊጹ


Addis Ababa

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 238 ተአሲሮም ዝጸንሑ ዜጋታት ብይቅሬታ ከምዝፈትሐ ተገሊጹ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ከምዝሓበሮ አብ መንጎ’ቶም ብይቅሬታ ዝተፈትሑ ሰባት አባላት ማህበረሰብ ሙስሊም: አባላት ኦነግ (ግንባር ሓድነት ኦሮሞ): አባላት ግንቦት 7: አባላት ምንቅስቃስ ነፃነት ህዝብታት ጋንቤላን ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ሬድዮ ፋና እቶም ዝተፈትሑ ብጥፍአቶም ከምዝተጣዕሱ አሚኖም ኢሉ።

ሬድዮ ድምጺ አሜሪካ ነዚ ምፍታሕ እሱራት ንምርግጋጽ ናብ ዝተፈላልዩ ወገናት ስልክ ብምድዋል ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

እዚ ከምዚ’ሎ ሎሚ ዓርቢ ድሕሪ ስግደት አባላት ማህበረሰብ ሙስሊም አብ አንዋር መስጊድ ናይ 2007ዓ. ም ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ሰልፊ አካይዶም።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG