ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ስደተኛታት ፣መንግስቲ አርትራ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ኣካይዶም


ኣብ 4ተ ማእከላት ስደተኛታት ኣስታት 60 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምውዳብ ብተለፎን ተራኺብና ይብሉ ወደብቲ`ቲ ሰልፊ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮዽያ፣መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝፀወዐ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ መዕቆቢ ካምፕታትን ሎሚ ኣካይዶም።እቲ ሰልፊ ምስ‘ቲ መንግስቲ ኢትዮዽያ ናይ ኤርትራ ፖሊሲኡ ቀይረ‘ለኹ ዝበለሉ ጊዜ ተጋጢሙ‘ሎ።

ኩሎም እቶም ኣብ ሆቴል ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ረቡዕ ዝተሰለፉ ልዕሊ 6 ሚእቲ ኤርትራዊያን ስደተኛታት “ይኣክል” ዝብል ዝተፃሕፎ ለቢሶም ይራኣዩ።ደጋጊሞም ዘቃልሕዎ ዝነበረ ጭርሖ፣ነቲ ምልካዊ ዝበልዎ ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንከብቅዕ‘ዩ።

ነቲ ሰልፊ ዘዋደዱ መራሕቲ፣ኣብ ትግራይን ዓፋርን ብሓፈሽኡ ኣብ ኣርባዕተ ማእከላት ስደተኛታት፣ኣስታት ስሳ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምውዳብ ብቴሌፎን ተራኺብና ኢና ይብሉ።

እቲ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ፣ኣካል‘ቲ ኣብ ኢትዮዽያ ዝተጀመረ ሓድሽ ፀቅጢ ኣንፃር 18 ዓመት ዘቁፀረ ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

ሓደ ካብ‘ቶም ኣዳለውቲ ኣቶ ክብሮም ስብሓቱ፣ንሱ ዝመርሖ ማሕበር ስደተኛታት ከተማ ኤርትራውያን፣ከም‘ቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ዝተላዕለ ሰላማዊ ተቃውሞ ከምዝድግፍ ይዛረብ።

”ዕጡቅ ጉጅለ ኣይኮናን።ዕቁባ ሓተትቲ፣ፖለቲካዊ ስደተኛታት’ምበር።ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንምቅያር ሰላማዊ ኣገባብ ውፅኢታዊ ምኻኑ ካብ’ዚ ዞባና ተማሂርና ኢና” ይብል ኣቶ ክብሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ‘ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተሳለጠ ኣህጉራዊ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምህዋኽ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣዋፊሩለይ‘ዩ ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ ኢትዮዽያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ መግለፂታት ኣሓይላ‘ላ።ኤርትራ ግና ነቲ ክሲ ኣበርቲዓ ትነፅጎ።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ክገልፁ ከለው፣ፖሊሲ ወፃኢ ኢትዮዽያ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምቅያር ዝዓለመ ንጡፍ ፖሊሲ ክኽተል‘ዩ ናብ ዝብል ተቀይሩ‘ሎ ምባሎም ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ ጥቃ ዶብ ምስ ኤርትራ ንደባይ ተዋጋእቲ ኤርትራ ማእከል ታዕሊም ተኸፊቱሎም‘ሎ ዝብል ሪፖርት ይስማዕ።ኣቶ ክብሮም ግና ስደተኛታት ይስልጥኑ ኣለው ዝብል ወረ ከምዘይፈልጥ‘ዩ ዝዛረብ።

”መንግስቲ ኢትዮዽያ ይድግፈና ኣሎ እንተኾይኑ፣ኣዕቊቡና፣ነዚ ሰልፊ‘ዚ ንክነካይድ ከምኡውን ኮንፈረንስ ንክነሳልጥ‘ዩ ሓጊዙና።ካብ‘ዚ ዝሓለፈ ግና ነቲ ትብሎ ዘለኻ ማእከል መሰልጠኒ ኣብ ትግራይን ዓፋርን ዝፈልጦ ነገር የለን” ኢሉ ኣቶ ክብሮም።

ኣቶ ክብሮም፣ነቲ “ይኣክል” ዘርእስቱ ሰልፊ ከምዝድፈአሉ‘ዩ ዝዛረብ። እቲ ዘገርም ነገር “ይኣክል” ፀረ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዓሊሙ ዝመፅእ ወርሒ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ንክካየድ ኣብ ማሕበራዊ-ሚድያታት ይዝርጋሕ ናይ ዘሎ ወፍሪ መፀውዒ‘ዩ።ግንቦት ኢህወደግ ስልጣን ዝሓዘሉ መበል ዕስራ ዓመት ዝኽበረሉ ወርሒ ምኻኑ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG