መቐለ —
እቲ ትካል ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያውያን ብ2003 ዓ.ም ካብ ዝጣየሽ ን53 መናእሰይ ካብ መዐወኒ ወልፍታት ከምዘናገፈ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ትካል መንእሰይ ዘልኣለም ይትባረክ ይገልፅ።
መናእሰይ ናብዮም ግደይ፣ ሃኒባል ኪዳነ፣ መዓረግ ገብራይ፣ሚኪኤለ ኣገኘው ሕሉፍ ህይወቶም የዘንትዉ፤ ኣብ ማእኸል ህንፀት መቖምያ ኣትዮም ዝረኸብዎ ረብሓን ሕጂ ዘለዎም ሰላማዊ ናብራ ይገልፁ።
እቶም መናእሰይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከባ 13 ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ንዝርከቡ መናእሰይ ምስክርነቶም ብምሃብ ይምህሩ ኣለዉ።
ምስዞም ካብ ዝነበሮም ወልፊ ተናጊፎም ንኻልኦት ምምሃርን ምምዓድን ምስ ዝጀመሩ ኣርባዕተ መናእሰይ ዝተኻየደ ቃለ-ምልልስ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።