ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ጠንቂ ህውከት ክልል ኦሮምያ ዝከሰሩ ሓይልታት ፖለቲካ'ዮም' ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ


ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎም ቅነ ንዝተልዓለ ህውከት ጠንቂ ዝኾነ ዝኸሰሩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተመደቡን ውድባት ብዝዘርግሑዎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ ክብል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣፍሊጡ።ብሰንኪ ዝተፈጥረ ህውከት ሰለስተ ሰባት ምሟቶም እውን ናይቲ ክልል ፖሊስ ወግዓዊ ዝገበሮ ኽከውን ከሎ ኮሚሽን ፖሊስ ነቲ ሕብረተሰብ የደናግሩ ኣለው ንዝበሉዎም ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክእደቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ብቴሌቪዥን ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኢትዮጵያ ዝተመሓላለፈ መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተፈጥሩ ኩነታት ሰላምን ምርግጋእን መንግስትን ህዝብን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብንቕሓት ዝሕልውዎን ቀጻልነቱ ንዝለዎ ዝሓሸ ምዕባለ ኣብዝረባረብሉ እዋን ዝኽሰሩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ብኣሸባርነት ዝተመደቡ ውድባትን ብሓባር፣ኣብ ዝተፈላለያ ጸረ-ሰላም መራኸቢ ብዙሃን ብዝዘርገሕዎ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታትን ወረዳታትን ኦሮሚያ ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ህውከት ተላዒሉ’ሎ ይብል።

እቶም ውድባት ንዝጠፍአ ህይወት ሰብን ዕንወት ንብረትን ቀጥታዊ ተሓተቲ'ዮም ዝበለ'ቲ መግለጺ ንመለዓዓሊ ህውከት ዝተጠቕምሉ ኣጀንዳ ማስተር ፕላን ከተማ ፊንፊኔ ንከተማታት ፍሉይ ዞባታት ኦሮሚያ ብስም ማስተር ፕላን ንምሕዋስ እዩ ይብል።

ኮሚሽነር ናይቲ ክልል ፖሊስ ኮሚሽነር ኢብራሂም ሓጂ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይቲ ህውከት ጠንቂ ብድሕሪት ዝተሰለፉ ሓይልታት እዮም ድህሪ ምባል በቲ ህውከት ንዘጋጠመ ምጥፋእ ህይወት ድማ ከምዚ ኢሎም።

'ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ፍሉይ ስማ ጨሊያ የካ ዝተባሀለ ናይ ገጠር ከተማ ህይወት ክልተ መንእሰያት ጠፊኡ’ሎ።ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ።ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ቶሌ ሓደ መንእሰይ ህይወቱ ጠፊኡ’ሎ።ክሳብ ሎሚ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ ሰለስተ እዩ።'

መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ይኹን ኮሚሽነር ፖሊስ ኣቶ ኢብራሂም ሓጂ ዝኸሰሩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተመደቡን ውድባት ናይ ዝበሉዎም ስም ኣይረቑሑን።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ጠዉቑ።

XS
SM
MD
LG