ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ጎኒ ኦነግ ሸኔ ኮይኖም ይንቀሳቀሱ ኣለው ክብል ክልል ኦሮሚያ ኸሲሱ


ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ትማሊ ሓሙስ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ህውሓት ተዓጢቑ ምስ ዓማፂ ጉጅለ ብምዃን ይዋግኡ ኣለው ክብል ከሲሱ ኣሎ።

ምኽትል ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ካብ መሰልጠኒ ቦታ ጠፊኦም ዝመፁ መናእሰይ መን ከምዘሰልጠኖምን ተልእኾ ከምዝሃቦምን ብግልፂ ተዛሪቦ ኣለው ኢሎም።

ናይቲ ክልል ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ግርማ ገላን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዕጡቓት ህወሓት ምስ ኦነግ ሸኔ ኣለውክብሉ ሓቢሮም ።

‘’ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣዚዮም ብርክት ዝበሉ ናይ ህውሓት ሰራዊት ምስ ኦነግ ሸኔ ብምሕባር ይንቀሳቐሱ ከምዘለው ምሉእ መረዳእታ ኣለና።በዚ ድማ ተመልሚሎም ከይዶም ስልጠና ወሲዶም ካብ ናይ መሰልጠኒ ቦታ ተዓጢቖም ዝመፁ ኣብ ኢድና ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣለው።መን ከምዘሰልጠኖም ብግልፂ ይዛረቡ ኣለው።ስለዚ ንኦሮሞ ነፃ ንምውፃእ እንተድኣ ኮይኑ ትማሊ ንኻልኦት ፅግዕተኛ ኢልካ ትድህሎም ዝነበርካ ሎሚኸ ንስኻ ንምንታይ ክትፅጋዕ ደለኻ? ዝብል ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ክሓትት ኣለዎ’’ ኢሎም።

ካብ ክልል ትግራይ ጉዳያት ኮሚኒኬሽንን ቢሮ ፍትሕን ፀጥታን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG