ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝቐጸለ ናዕቢ ንምፍታሕ ዝጀመረ ዘተ ሰላም ክቕጽል ኣባላት ቤት ምኽሪ ጨፌ ኦሮምያ ሓቲቶም


ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝቐፀለ ናዕቢ ንምፍታሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ክቕፅል ኣባላት ቤት ምኽሪ ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሓቲቶም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልጽግና ክልል ኦሮምያ ኣቶ ፍቃዱ ተሰማ ብወገኖም መንግስቲ ነዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝፀንሐ ዘይርጉእ ኩነታት ፍታሕ ክረክብ እቲ ዝተጀመረ ዘተ ክቅፅል ድልየቱ ምዃኑ ብምግላፅ ክልቲኦም ወገናት ብዘተ ክፈትሕዎ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብምንኣድ ነቲ ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነትን ሸቶን ኣብ ቀፃሊ ከይዲ ዝረአ ብምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ኣብ ዛንዚባር ዝተጀመረ ዘተ ንመንግስቲ ወኪሎም ዝተሳተፉ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ክልል ኦሮምያ ኮምሽነር ከፍያለው ተፈራ ብወገኖም እቲ ዘተ ዋላ'ኳ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክዕወት እንተዘይኸአለ እቲ ዘተ ግን ከምዘይተቋረፀ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ተርብ መንግስቲ ንዘቕረብዎ ቅድመ ኩነት ከማልእ ድልየት ከምዘይብሉ ብምግላፅ ንሰላም ሕጂ'ውን ድሉዋት ምዃኖም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ክልቲኦም ወገናት ንኻልአይ ዙር ዘተ ድሉዋት ምዃኖም እንተገለፁ'ውን ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ቅድመ ምድላው ኣመልኪቶም ግን ዝበልዎ የሎን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG