ዋሽንግተን —
‘ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃን፣ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኣብ ምባል ተረኦም ንክጻወቱ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ‘ዕጽዋ’ ከብቅዕ ንከሐግዙን በቲ ውግእ ንዝተጎድኡ ሓገዝ ንክበጽሖምን ዝዓለመ ወፍሪ ከምዝተሳለጠ’ ኣብ ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ኣተሓባባሪ ‘ወፍሪ ጥምየት ኣብ ትግራይ የብቅዕ’የ’ ዴቪድ ዴል ገሊጹ።
ዴቪድ ዴል ኮንቴ ኣብ ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ኣተሓባባሪ ‘ወፍሪ ጥምየት ኣብ ትግራይ የብቅዕ’ ምስ ረፉዮጂስ ኢንተርናሽናል ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ዳይረክተር ኦቻ ኮይኑ ንኣስታት 5 ወርሒን ፈረቃን ዘገልገለንን ምስ ሕቡራት ሃገራት ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘሰርሐን ’ውን እዩ።
አብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ኣብ ለን ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክገልጾ ከሎ ‘ዓሚ ሕዳር ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ተፈናቂሎም፣ ውድመት ንብረት ሰላማዊያን ሰባት፣ ትሕተ ቅርጺ ተፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን 1.5 ሚልዮን ሰባት ተለኪሞም እዮም’ ይብል።