ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬኒያ ስደተኛታት ስራሕን ካልኦት ረብሓታትን ክረኽቡ ዘኽእሎም ሰነድ ክረኽቡ እዮም


ኣብ ኬኒያ ስደተኛታትን ደገፍቶምን ሓዱሽ ዝወፀ ሕጊ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ዝሓሸ ትምህርትን ስራሕን ክረኽቡ ዝገበር እዩ ክብሉ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ። ኬኒያ ዝዓበዩን ንልዕሊ 400,000 ሰባት ዘዕቖቡን ክልተ ካምፕታት ንምዕፃው ትልሚ ሕዛ ኣብ ዘላትሉ እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።

ዊሊ ዋሪ ብዘይዝኾነ ይኹን ስሩዕ ፍልፍል ኣታዊ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኬኒያ ዝነብር ብሩንዳዊ ስደተኛ እዩ።ኣብ ሃገሩ ብሜካኒካል ስልጠና ዲፕሎማ ኣብ ኬኒያ ድማ ተወሳኺ ትምህርቲ ረኺቡ።ግን ኣብ ናይሮቢ ዘተኣማምን ስራሕ ኣይረኸበን።

ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ዝረኽቡዎ እዮም ዝሰርሑ።ንሱ‘’ዝረኸብናዮ ኢና ንሰርሕ ምኽኒያቱ ብዝሰልጠናሉ ንምስራሕ ዘኽእለና ፍቓድ ወረቐት የብልናን’’ ይብል።

ሕዚ ዋሪ እቲ ዝሓሸ ስራሕ ናይ ምርካብ ተስፍኡ ብናይ ኬኒያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬኒያታ ኣብ ቀረብ ዝተፈረመ ሓዱሽ ሕጊ ስደተኛታት ብቕልጡ ኣብ ግብሪ ምስ ምውዓል እዩ።

እቲ ሕጊ ስደተኛታት ናብ ቁጠባን ማሕበራዊ ህይወትን ኬኒያ ክፅምበሩ መንገዲ ዝኸፍት እዩ።

ኣዋሃዲ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ህይወት ቪክቶር ኦዴሮ እቲ ሓዱሽ ሕጊ ስደተኛታት ዓቕሚ ክፈጥሩ ኣብ ምግባር ርኡይ ምልክት እዩ ይብል።

‘’ቅድሚ ሎሚ ዝኾነ ይኹን ኣስገዳድ ኣይነበረንዝበለ’’ ንሱ ‘’ስደተኛታት ቁጠባን ማህበራውን ረብሓታት ረኺቦም ዓርሶም ዝኽእልሉ ንስደተኛታት ሕጋዊ ሰነድ ዘሳልጠሎም ኣካል ኣይነበረን’’ ኢሉ።

እቲ ስጉምቲ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታትUNHCR ተሞጊሱ ኣሎ።ኣብ ኬኒያ ወሃቢ ቃል UNHCR ኡጂን ቢዩን እዚ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓዱሽ መንበሪኦም ዋጋን ክብርን ዘለዎም ኮይኑ ክስምዖም ዝገብር እዩትብል።

እዚ ሓዱሽ ሕጊ መብዛሕቲኦም ካብ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ዝመፁ ልዕሊ ኣርባዕተ ምእቲ ሽሕ ስደተኛታት ዘዕቖቡ ክልተ ዝዓበዩ ማእኸላት ስደተኛታት ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንምዕፃው ትልሚ ተታሒዙ ኣብ ዝርከበርሉ ግዜ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

እቲ ሕጊ ንቶም ካምፕታት ብቐሊሉ ንምፅራይ እውን ዝሕግዝ እዩ ይብል ኦዴሮ።

ጎኒ ንጎኒ ምዕፃው ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ዝነብርሉ መዕቖቢ ከም ዋሪ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ዝሓሸ ናብራ ከንብሮም ዝኽእል ኣታዊ ክረኽቡ ምእንታ እቲ ሕጊ ብቕልጡፍ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይደልዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG