ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ዘለው ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብመዳይ ፀጥታን ቀረብ ኣገልግሎትን ዘለዉ ጉድለታት ክፍትሑ ፀዊዖም።
ድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ምዕራብ ጎንደር ዝርከቡ ሱዳናውያንን፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርአ ተደጋጋሚ ስእነት ፀጥታን ዋሕዲ መሰረታዊ ቀረባትን ብምጥቃስ፡ ውሑስ ናብ ዝብሃል ካልእ ስፍራ ወይ ሳልሳይቲ ሃገር ክግዕዙ ጸዊዖም። ብምኽንያት ሎሚ ተኸቢሩ ዝውዕል መዓልቲ ስደተኛታት መግለፂ ዘውጽአ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ውን ንስክፍታ እቶም ስደተኛታት ኣቃሊሑ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ