ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጸላም መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝጋለሀ መብራህቲ


መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ
መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ

ነባራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ገብረመስቀል ተወልደ ንጸላም ለቢሱ ዝነበረ ከባቢ ብርሃን ዝመለሰ ስደተኛ ኮይኑ ኣሎ። ሳላ ጻዕሪ ገብረመስቀል ድማ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲን መንበሪ ኣባይቲን ኣገልግሎት መብራህቲ ይረኽቡ ኣለው።

ገብረመስቀል ካብ ዓዱ ብዘምጸአን ኣስታት 90 ሽሕ ቅርሺ ተበጊሱ ሎሚ ኣብ ዘተኣማምን ኩነተ መነባብሮ በጺሑ’ሎ። ካብ ገዛእ ነብሱ ሓሊፉ ንሙሉእ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ኣገልግሎት መብራህቲን ጸዓትን ይልግስ ኣሎ።

ኣብ ካልኦት መዓስከር ስደተኛታት’ውን ብተመሳሳሊ ኣገልግሎት መብራህቲን ጸዓትን ትልግስ ጄነረተር ከምዘዋፈረ ይዛረብ ገ/መስቀል ተወልደ።

ቢሮ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብወገኑ 'እቶም ስደተኛታት ካብ ዝረኽብዎ መሸጣን መኽሰብን ግብሪ ከምዘየኽፍሎምን መርየት ብናጻ ከምዝልግሰሎምን' ይሕብር።

በትረ ስልጣን ንክልተ ኤርትራዊያንን ሓንቲ ኣብ ማይ ዓይኒ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ትነጥፍ ኢትዮጵያዊትን ኦፊሰር ኢምግረሽን ኢትዮጵያ ዓዲሙ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:43 0:00

XS
SM
MD
LG