ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕረ-ዕልዋ መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ ረፈረንደም ኣብ ቻድ ይካየድ


ቻድ: ትማሊ ሰንበት 17 ታሕሳስ 2023 ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ንምጽዳቕ ረፈረንደም ኣካይዳ።

ወታሃደራዊ ሰበስልጣን'ታ ሃገር እቲ ሪፈረንደም ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዝካየድ ምርጫ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ይሕብሩ። ፕረዚደንት እታ ሃገር እድሪስ ደቢ ምስ ናዕበኛታት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣብ 2021 ስልጣን ዝሓዙ ወታሃደራት ሰብ-መዚ'ታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምላስ ቃል ኣትዮም ነይሮም።

እቲ ተነዲፉ ዘሎ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ማሕበረሰባት ንገዛእ-ርእሶም ከመሓድሩ፡ ናይ ከባቢኦም ባይቶታት ክምስርቱንን ብያታዊ ባይቶታት ክመሓደሩን ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብታ ነዳዲ ተፈርይ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ 16-ሚሊዮን ህዝባ 40 ሚእታዊት ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምርኮዝ እዩ።

ኣስታት ሸሞንተ ሚሊዮን ዜጋታት ቻድ ኣብቲ ረፈረንደም ድምፆም ንምሃብ ዝተመዝገቡ ክኾኑ ከለው ግዚያዊ ውፅኢት ድማ 24 ታሕሳስ 2023 ወግዓዊ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG