ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክትዕ ኣብ ልዕሊ 'መጸዋዕታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣብ ስደት ዝነብሩ ተፈኻኸርቲ ፓርቲታት'


Ethiopia
Ethiopia

ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ‘ኣብ ወጻኢ ዝንቀሳቀሱ ተፈኻኸርቲ ውድባትን ፓርቲታትን ኢትዮጵያ፣ ንሕገ መንግስቲ ተቐቢሎም ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱ ክሳብ ዝመረጹ ናብ ዓዶም ኣትዮም ክንቀሳቀሱ ዕድመ ከምዘቕረቡ’ ዝዝከር’ዩ። ብመሰረት’ዚ መራሕቲ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ናብ ዓዲ ኣትይቶም ምስ መንግስቲ ይዘራረቡ ኣለው።

7 ግንቦት’ውን ናይ ስትራተጂ ለውጢ ከታኣታቱ እንተኾይኑ ውሳነኡ ትጽቢት ይግበረሉ። ክልላዊ መንግስቲን ትግራይን ገዛኢ ፓርቲ ህወሓትን’ከ ንተቓወምቲ’ዶ ፍሉይ ጻውዒት ከቕርቡ ይግባእ? በትረ ስልጣን ንክልተ ካብ ሞንጎ መስረቲ ተሓህት/ህወሓት ዝነበሩ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘረኣጽዮንን፣ ከምኡውን ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣዘራሪብዎም’ሎ።

ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ‘ንሕገ መንግስቲ ዘኽብሩን ብሰላማዊ ኣገባብ ክሰርሑ ዝንቀሳቀሱን እንተኾይኖም ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና’ ክብሉ ከለው ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ኣቶ ግደይ ዘረኣጽዮንን ግና ‘ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህወሓትን ማዕረ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ይንቀሳቀሱ የለውን’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:10 0:00

XS
SM
MD
LG