ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሕ/ኣውሮጳ ዝምወል መስርሕ ምውጻእ ስብርባር መርከብ ነዳዲ ምቁራጹ ተገሊጹ


 እታ ብግሪኽ ትውነን መርከብ ድሕሪ ዘጋጠማ መጥቃዕቲ ሑቲ - 23 ነሓሰ 2024
እታ ብግሪኽ ትውነን መርከብ ድሕሪ ዘጋጠማ መጥቃዕቲ ሑቲ - 23 ነሓሰ 2024

ብሕብረት ኣውሮጳ ዝምወል ስራሓት ምድሓን ስብርባር ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዘላ መርከብ ነዳዲከም ዘቋረጾ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። እታ ኣስታት ሓደ ሚልዮን በርሚል ዝዕቀን ነዳዲ ጽዒና ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ብደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ዝተሃርመት መርከብ፡ ዋንነታ ናይ ግሪኽ ኰይና ብ21 ነሓሰ’ያ በቶም ተቓለስቲ ተሃሪማ።

እቲ ተልእኾ፡ ነታ መርከብ ንምውጻእን ካብ ላሕኲ ነዳዲ ንምድሓን ዝግበር መስርሕ ውሑስ ኰይኑ ስለ ዘየረኸቦ ከቋርጾ ከም ዝወሰነ ትማሊ ሰሉስ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

በዚ ንሓያሎ ተሓለቕቲ ኣከባቢ ኣሰንቢዱ ዘሎ ተግባር፡ እታ መርከብ ካብቲ ጽዒናቶ ዘላ ነዳዲ ናብ ባሕሪ ክልሑኽን ዝኸፍአ ብከላ ከምጽእን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እቶም ዕጡቓት ሑቲ ኣቐዲሞም ንስለ ድሕነት ኣከባቢ ኢሎም ነታ መርከብ ንምውጻእ ኣብቲ ከባቢ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግብሩ ምዃኖም ኣመልኪቶም ነይሮም’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG