ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ክልተ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ወረዳ በለሳ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ክልተ ሰራሕተኛታት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብዘጋጠሞም መጥቓዕቲ ጉድኣት ከምዝወረዶም'ቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን'ቲ ማሕበር ኣቶ መስፍን ደረጀ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ናይቲ ማሕበር ኣምቡላንስ ከለው መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት 1 ሚያዚያ 2015 ምሽት ሰዓት 2፡30 ተተኲሱዎም ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን ናይታ መኪና ዘዋሪን መዋለዲ ነርስን ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ገሊፁ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከባቢ ከተማ ቆቦ ድማ መንግስቲ ንኣባላት ፍሉይ ሓይልታት ናብ ካልኦት ትካላት ጸጥታ ንምሕዋስ ዘሕለፎ ውሳነ ብምቅዋም ብዝተላዕለ ህውከት ሓደ ዘዋሪ መኪናን ሰራሕተኛ ፀጥታን ትካል ረድኤት ካቶሊክ ዝሓለፈ ሰንበት ምቕታሎም ይዝከር።

ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ካብ መንግስታዊ ኣካል ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ቶኽሲ ከምዝተኻየደን ኣብ ገለ ከባቢታት ክሳብ ሎሚ ከምዝቐፀለን ነበርቲ ገሊፆም።ህይወት ሰባት እውን ጠፊኡ ኣሎ። ምኽኒያት ናይቲ ዘይምርግጋእ መንግስቲ "ንፀጥታ ናይታ ሃገር ስግኣት እዮም’’ ዝበሎም ሓይልታት ናይቲ ክልል ዳግም ብምውዳብ ‘"ድልዱልን ምእኹልን ሰራዊት ንምህናፅ’’ ብምውሳኑ እዩ ክብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።

XS
SM
MD
LG