ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኮምቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ሱማሊያ ሰብኣዊ ስርሒቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ


ኣብ ሱማሊያ ዘሎ ኩነት እናተማሓየሸ ኣይኮነን።

ዓለምለኸ ኮምቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ሱማሊያ ኣገደስቲ ዝኾኑ ድልየታት ንምምላእ ስርሒት ሰብኣዊ ሓገዛቱ ኣጠናኺሩ ቐፂሉ’ሎ።

ብመሰረት ኮምቴ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል/ICRC/ ኣብ ሱማሊያ ዘሎ ኩነት እናተማሓየሸ ኣይኮነን።

ወሃቢት ቃል ICRC ኒኮል ኢንገልበርች ንቪኦኤ ኣብዝሃብኦ ቃል ክሳብ እቲ ዝቕፅል ናይ ታሕሳስ ምሕፋስ ምህርቲ ኩነታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘየለ ይገልፃ።ተስፋ ዝግበር እንተኾይኑ’ውን ይብላ ንሰን ኣብ ፅቡቕ ዝናብ ዝተመስረተ እዩ።

ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ዝጅምር ዝናብ 30 ሚእታዊ ናይ ሓደ ዓመት ፍሪያት ምግቢ ጥራሕ ስለዝኾነ ኣብ ሱማሊያ ዘሎ ዓብይ ድልየት ንምምላእ እኹል እይኮነን ይባል።

ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብዝርከብ ደቡባዊ ሱማሊያ ሰብኣዊ ስርሒቱ ከሐይል እዩ።እቲ ትካል ረድኤት ኣብዚ ከባቢ ብነፃ ዝሰርሕ እንኮ ገባሪ ሰናይ እዩ።እንገልበርች ነዚ እንተብርሃ ኣል-ሸባብ ንICRC ነፃ ትካል እዩ ኢሉ ስለዝተቐበሎ እዩ ይብላ።

ICRC ኣብ ማእኸላይን ደቡባውን ሱማሊያ ንዝርከቡ ተወሳኺ ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ምግቢ ንምቕራብ ትልሚ ሒዙ’ሎ።እቲ ትካል እናወሰኸ ይኸይድ ብዘሎ ጉድለት ኣመጋግባ ሻቐሎቱ ይገልፅ።ኣብ ገሊኦም ከባቢታት ልዕሊ 20 ሚእታዊ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብኣዝዩ ሕሱም ጉድለት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ኣለው።

ነዚ ንምምካት ድማ ICRC ብናይ ሱማሊያ ቀይሕ ወርሒ ንዝምወል ናይ መመገቢ ማእኸላት እናሓገዘ ይርከብ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 10 ሽሕ ብጉድለት ኣመጋግባ ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ህፃናት ኣገልግሎት ኣናረኸቡ እዮም።

ቀይሕ መስቀል ህይወት ሰባት ንምድሓን ምግቢ፡ማይ፡ክንክን ጥዕናን ካልኦት ህፁፅ ሓገዛትን እናቕረበ ይርከብ።እዞም ሓገዛት ሰባት ንዓርሶም ክሕግዙ ብዝኽእልሉ ፕሮጀክታት ከምዝስነዩ እተን ወሃቢት ቃል ይገልፃ።

ኢንገልበርች ‘’ኣብ ማእኸላይን ደቡባውን ሱማሊያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ንዝነብሩ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ፍርያቶም ከደንፍዑ ዘኽእሉ ናይ መስኖ ሸምቡቆታት ኣከፋፊልና ኣለና።ካልኦት ሰባት ድማ ገንዘብ ንስራሕ ተባሂሎም ኣብዝፅዋዑ ፕሮጀክትታት ይሳተፉ ኣለው።’’ይብላ።በዚ ፕሮጀክት ኣቢሎም ምእንታ ናብ ገርሁቶም ማይ ንኽኣቲ ኣብ ከባቢታት ሩባ ናይ መስኖ ፈለጋት ንኽሰርሑ ይኽፈሎም።እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ብዘላቕነት ንዓርሶም ንክኽእሉ ዝሕግዝ እዩ ኢለን ብምውሳኽ።

ኢንገልበርች ኣብቲ ኣዐሪዩ ዝተጎድአ ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ሓገዝ ምሕያል ሰባት ኣለሻ ምግቢ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ምስዳት ኣብ መንበሪ ገዛውቶም ንኽፀንሑ ከምዘተባብዖም ይገልፃ።

XS
SM
MD
LG