ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ደቡባዊ ኣፍሪካ ንሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዑ ተፈሊጡ


ዓለምለኸ ፌደረሽን ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ማሕበረሰብ ቀይሕ ኮኾብን ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝብታት ኣንጎላ፣ዙምባቤ፣ለሴቶን ማላውን ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ከምዘጋጠሞሞ ኣፍሊጡ።ሊዛ ሽለይን ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ቀይሕ መስቀል ጀኔቭ ዝለኣኸቶ ፀብፃብ ገብረ ከቕርቦ እዩ።

ብዘጋጠመ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪካ ዝርከቡ ሚልዮናት ህዝቢ ክጠምዩ እዮም ክብላ ወሃቢት ቃል ዓለምለኸ ፌደረሽን ቀይሕ መስቀል ጀሲካ ሳላባንክ ገሊፀን።’’ጉደለት ኣመጋግባ፣ምድካም፣ናይ ኣካል ምምንማን፣ኣብ ቆልዑ ናይ ከብዲ ምንፋሕ፣ኩሎም እዞም ምልክታት እዚኦም ተራኢዮም ኣለው።’’

ከቢድ ዝናብ፣ምስኣን ፅሩይ ዝስተ ማይን ጉድለት ፅረየትን እቲ ህዝቢ ሕማማት ኮሌራ፣ውፃኢትን ዓሶን ከንፀላልዮ ገይርዎ’ሎ እውን ኢለን ሳላባንክ።

ደቡባዊ ኣፍሪካ መመሊሱ ብዝኽሰት ከቢድ ድርቅን ውሕጅን ይጥቃዕ።
ኣብ ማላዊ ናብ ክልተ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ብዋሕዲ ምግቢ ስለዝተጠቕዐ ህጻናት ምግቢ ይልምኑ ከምዘለውን ኣብ ኣንጎላ እውን ካብ 1.8 ሚሊዮን ህዝቢ ሲሶ ዝኾኑ ህፃውንቲ ኣብ ሓደጋ ኣለው ይብል ፀብፃብ ቀይሕ መስቀል።

ደቡባዊ ኣፍሪካ ካብ ዓለም ብኤች.ኣይ.ቪ/ኤዲስ እቲ ኣዝዩ ዝተጠቕዐ ከባቢ እዩ።ኣብ 2009 ኣ/ፈ ብዝወፀ ኣሃዝ 34 ሚእታዊ ተሸከምቲ እቲ ቫይረስ ኣብ 10 ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪካ ይርከቡ።
XS
SM
MD
LG