ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስቲን ዘሎ ወጥሪ ምፍታሕ ሓላፍነት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኣይኮነን ተባሂሉ


ምኽትል ኣደመንበር እቲ ኮሚሽን ሎሬት የትነበርሽ ንጉሴ
ምኽትል ኣደመንበር እቲ ኮሚሽን ሎሬት የትነበርሽ ንጉሴ

ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዝተፈጥረ ወጥሪ ምፍታሕ ሓላፍነት ንኮሚሽን ዕርቀሰላም ኣይኮነን ክብሉ ሓለፍቲ ናይቲ ኮሚሽን ኣፍሊጦም።እቲ ኮምሽን ብኣዋጅ ካብ ዝምስረት ዝበዝሓ እዋን ዝወሰደሉ ንባዕሉ ናይ ምውዳብን ንስርሑ ምቸእ ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ከምዝነበረ ገሊፆም ኣለው።

ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምቅርራብን ንምዕራቕን ብዛዕባ ዝሰርሖ ስርሓት ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ቀሪቦም።

ምኽትል ኣደመንበር እቲ ኮሚሽን ሎሬት የትነበርሽ ንጉሴ ‘’ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ወጥሪ ንዓና ክልቲኦም መንግስታት ቅቡልነት ዘለዎም መንግስታት እዮም።ኣብ መንጎ ፌደራልን ክልል መንግስታትን ፀግም ክፍጥር ከሎ ነቲ ፀገም ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት ናይ ዕርቀሰላም ኮሚሽን ሓላፍነት ኣይኮነን።ብግልፂ ብሕጊ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝተውሃበ እዩ’’ ኢለን።

ንሰን ከም ዜጋን ከም ገለልተኛ ኮሚሽንን ስኽን ኢሎም ክዘራረቡ ናይ ምሕታትን ንምዝርራብ ገለልተኛ ኣካላት እንተድኣ ኣድልዩዎም ድልውነትና ንዝምልከቶም ኣካላት ብዕሊ ኣፍሊጥና ኢና ኢለን።

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ናይቲ ኮሚሽንን ካርዲናል ኣባ ብርሃነየሱስ ሱራፍኤል እውን ስራሕ ዕርቀሰላም ኮሚሽን ዕርቀሰላም ኣብ መንጎ ህዝብታት እዩ ምስ በሉ "ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘይምርድዳእ ክህልው ከሎ፣ቅርሕንቲ ክህልው ከሎ፣ግጭታት ክህልው ከለው ነቲ ህዝቢ ብኽልቲኡ ወገን ብምዝርራብ ሰሚዕኻ ሰላምን ምርድዳእን ንምምፃእ እዩ እቲ ፃዕሪ።መንግስቲ ምስ መንግስቲ ክኸውን ከሎ ድማ መንግስታዊ መንገድታት ኣለው’’ኢሎም።

ዋላኳ ንኮምሽን ዕርቀ ሰላም ዘይምልከቶ እንተኾነ እውን እቲ ኮሚሽን በብክልሉ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ክልላት፣ከምኡ እውን ናብቲ ህዝቢ ብምውራድ ናይ ክልላት መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓድን ኣዘራሪቡ እዩ መፂኡ፤ኣብ ትግራይ እውን ከምኡ እዩ ተገይሩ ኢሎም።

እቲ ኮምሽን ክንድ'ቲ ዝድለ ኣይሰርሕን ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝሃባ ሎሬት የትነበርሽ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዝግበር እቲ ኮሚሽን ብሕጊ መዳይ ይኹን ካልኦት ኣገባባት ዝተመቻቸወ ኩነታት ከምዘይተዳለወሉ ሓቢረን።

ኣብ ናይ ብሄራዊ ምርድዳእን ሓድነትን ከምዝስራሕን ምርድዳእ ክፍጠረሎም ኣብ ዝብሃሉ ቁልፊ ጉዳያት ተወዳዲና ንምስራሕ ቅድመ ምድላዋትና ዛዚምና ኣለና ኢለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG