ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ኮይና ዝተዓወተት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩ’ላ


ኣብ ከተማ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 14 ውድድር ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ዝተዓወተትን ሻምፕዮና ኣፍሪቃ 2018 ዓ.ም ዝኾነትን ሃገራዊ ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ሎሚ 21 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩ'ላ ኣሎ።ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ተቐቢሎም ኣተባቢዖምዎም ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዘስምዖ ቃል ንተቐዳደምትን ኣስልጠንትን ዮሃና ድሕሪ ምባል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ መንእሰያት ናይ ስፖርት ዓቕሚ ዓቢ ከምዝኾነን ብዝግባእ እንተተስሪሑሉ ከኣ ብደረጃ ዓለም ዓበይቲ ዓወታት ክምዝገብ ከምዝኽእል ብምግላጽ ዝምልከቶም ኣካላት ብውህደት ክሰርሑ ድሕሪ ምልባው ንነፍስ ወከፍ ተቐዳዳማይ መተባብዒ 1,000 ዶላር ከምዝወሃቦም ገሊጹ።

ኣብቲ ካብ 14-18 ለካቲት 2018 ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ሻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 10 ወርቂ፡5 ብሩር፡5 ነሓስ ብድምር 20 መዳልያታት ብምርካብ’ያ ንሻሙናይ ግዜኣ ሻምፖዮን ኣፍሪቃ 2018 ክትከውን ክኢላ።

ኣብ ናይ ክሮኖሜተር ውድድር ክልተ ኣሕዋት ሞሳና ደበሳይን መኽሰብ ደበሳይን ከካብ ምድቦም ናይ ወርቂ መዳልያ ብምሽላሞም ፍሉይ ታሪክ ሰኒዶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG