ኣብ ትግራይ ጉዱሳት መናእሰይ ባህሊ ንባብ ከዓቢ ዝከኣሎም ፃዕሪ እናገበሩ እዮም፡፡ ኣብ ኣዲስ አበባን መቐለን ዝርከቡ መናእሰይ ካብ ውልቀ ሰባትን ትካላትን መፃሕፍቲ እናኣከቡ ናብ ዘተፈላለዩ ከባቢታት የብፅሑ፡፡ ዋዕላታት ንባብ የካይዱ፡፡ ኣብዚ ሰናይ ተግባር ዘነጥፉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ እኳ እንተሃለዉ፤ ኣብ ትግራይን መቐለን ካብ ዝርከቡ ንክልተ መናእሰይ ኣዘራሪበ ኣለኩ፡፡ ንመንእሰይ ይርጋ ገብረመድህንን መንእሰይ ገብረሚካኤል ኪዱን፡፡ መንእሰይ ይርጋ አዚ ሰራሕ ኣመልኪቱ እንትዛረብ፡ ፤ እዚ ስራሕ ምስ መሓዙተይ ኮይና ዝጀመርናዮ ብምኽንያት ኩሰሚ ማለት ንግደት እንትከውን ኣብዞም በዓላት ንባብ ከም ባህሊ ክንለምዶ መፃሕፍቲ ብምቅራብን ዋዕላታት ንምክያድን ንፍፅሞ ስራሕ አዩ፡፡ ዛጊድ ኣብ 5 ከባቢታት በጺሕና ኣለና ይብል፡፡
መንእሰይ ገብረሚካኤል ኪዱ ድማ ነዚ ቅዱስ ተግባር ደረስቲ ካብዘለዎም መፃሕፍቲ እንተበርክቱ፣ ገንዘብ ብምብርካብ ክንገዝእ ዝገብሩ ደማ ክሳብ ዓዲ ዓረብ ዝነብራ አሕዋትና ብስፍሓት እየን ዝሳተፋ፡፡ ዛጊድ ብርክት ዘበሉ ብኣሸሓት ብር ዝዋግኦ መፃሕፍቲ ናብ ቴምበን፡ ዓብይ ዓዲ፣ኣክሱም፣ዓዲ ግራት፣ማይጨውን ሽረን ኣብፂሕና ኣለና፡፡ እዚ እንትንሰርሕ ብርክት ዝበሉ ሓገዘቲ መናእሰይ ኣለዉና እዮም፡፡ ንቀፃሊ እውን ኣብ ጎንና ኮይኖም ብምቅፃል ዝያዳ ኣበርክቶ ክንገብር ይግባእ ይብል፡፡