ዋሽንግተን —
ኣባል-ውድባት ኢህወደግ ድሕሪ ዘካየድኦ ጉባኤታት፡ብክሲ ዝተፈላለዩ ገበናት ተኣሲሮም ዝነበሩ መራሕቲ-ፖለቲካን ካልኦትን: ዲሞክራሲያዊ-ምሕደራ ንምስፋሕ ብዝብል እምነት ብምሕረት ክፍትሑ ምውሳኑ ይፍለጥ።
በዚ መሰረት ኣቦ-መንበር ፈደራል ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝርከቦም ልዕሊ ሚእቲ እሱራት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተፈትሑ ክኾኑ ኸለዉ፡ ትማሊ ድማ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቦም ሸውዓተ አባላት ኣመራርሓ ተቓዋሚ ፓርቲ ኦፌኮ፡ ሎሚ ድማ ፍሉጥ ጋዜጠኛን ተሓላቒን እስክንድር ነጋ ዝርከቦም ልዕሊ 700 እሱራት ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ከምዝተተፍትሑን ይፍትሑ ከምዘለዉን መንግስቲ ኣፍሊጡ`ሎ።
ብዛዕባ`ዚ ምዕባለ`ዚ ተቓወምቲ ውድባት ዝተሓዋወሰ ምላሽ ክህብሉ ቀኒዮም ኣለዉ። መምህር ኣስራት ኣብርሃም ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ዝነበረ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ግን ብሎገር ወይ ድማ ብውልቁ ብምጽሓፍ ዝቃለስ ዘሎ ምዃኑ ይገልጽ።