ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኛ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዘቕረብዎ ሕቶ ብሃንደበት ዝመፀ ኣይኮነን ኢሎም ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ።ኣቦ መንበር ሓርበኛታት ግንቦት ሸውዓተ ግን ብሕገ መንግስቲ ዝተውሃቦ ስልጣን ይፍፅሙ ስለዘይነበሩ ብባዕሉ ዓብዪ ናይ ለውጢ ምልክት እዩ ክብሃል ኣይክኣለን ኢሎም።ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ብወገኖም ህዝቢ ወናኒ ስልጣኑ ዝኾነሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ንምውራድ ሕቶ ምቕራቦም ሕዚ ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም ኣለው ማለት ኣይኮኑን፤ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ወሲኑ ናብ ፓርላማ ከይዱ ክሳብ ዝፀድቕ ኣብ ስርሖም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ።
ብደረጃ ኢህወዴግን ሕድ ሕድ ኣባል ፖለቲካዊ ውድባትን ውሽጦም ዝፈተሽሉ ኣኼባ ብምክያድ ኣብታ ሃገር ንሓዋሩ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር ብዘቐመጦ ኣንፈት እምበር ብሃንደበት ዝመፀ ኣይኮነን ኢሎም ኣለው።
ብሃንደበት ዝመፀ እንተድኣ ዘይኮይኑ ተደፊኦም ማለት ድዩ ዝብል ዶ/ር ነገሪ ተሓቲቶም።
“ኣይኮነን ከምኡ ማለት ከይኮነስ እቲ ዝርዝር ንሶም ይኹኑ ኢህወዴግ ዘድሊ ዝርዝር ኣብ እዋኑ ዝህብሉ ከምዘሎ ኮይኑ መልዐሊኡ ካብ ባዕሎም እዩ።ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት እንተሪኢና ሓሳልፍነት ዝስምዖ፣ተሓታትነት ዝስምዖ፣መራሒ ክገብሮ ዝኽእል እዮም ገይሮም ዘለው እምበር ተደፊኦም ኣይኮኑን። “
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ህይወት ሰባት እናጠፍአ፣ንብረት እናዓነወ፣ዜጋታት ይመዛበሉ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፣እዚኦም ክኣ ብሰንኪ ፀገም መሪሕነት እቲ ውድብ ብምዃኑ ሓላፍነት ስለዝወሰደ ዓበይቲ ስጉምትታት እናወሰደ ፀኒሑ፤ነዚ ዝርኢ መራሒ ካሊእ ፀቕጢ ኣለዎ ክብሃል ግቡእ እውን ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ፈላማይ ብዝብሃል ስልጣኖም ብድልየቶም ንምውራድ ምሕታቶም ታሪኻዊ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።ካብ ስልጣን ምውራድ ንኣባላት ካብኔ ከምዘይምልከት እውን ገሊፆም ኣለው።
ብዛዕባ ሕቶ ካብ ስልጣን ምውራድ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ዝተሓተቱ ኣቦ ወንበር ሓረበኛታት ሸውዓተ ግንቦት ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ንዕኦም ዝሃቦም ትርጉም ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።
“ብዝኾነ ይኹን ሕግታትን መሓውራት መንግስትን ግልፂ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ዝስርሓላ ቀዳማይ ሚንስትር ሓንቲ ሃገር ብድልየተይ ካብ ስልጣነይ ወሪደ ኣለኹ እንተይሉ ዓብዪ ዜና እዩ።እቲ ፀገም ኣብ ሃገርና ቀዳማይ ሚንስትር ብሕግን ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተውሃቦ መሰልን ስልጣንን ዘይብሎም ስለዝነበሩ ናቶም ካብ ስልጣን ምውራድ ብባዕሉ ዓብዪ ናይ ለውጢ ምልክት እዩ ክብሃል ኣይክኣለን።”
ምኽንያቱ ድማ ብድሕሪት ኮይኖም ነቲ ናቶም ስራሕቲ ዝሰርሑ ካልኦት ሓይልታት ነይሮም ኢሎም።
ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ብወገኖም ህዝቢ ብዝገበሮ ፀቕጢ ዝተኣስሩ ምፍትሖም ካብ ሓላፍነት ምልቃቕ ምጅማርን ኣወንታዊ ኮይኑ ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ሕዚ እውን ክልቁ፣ናይ ዴሞክራሲ መሰረታት ክጅመር፤ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ወናኒ ስልጣኑ ክኸውን ምግባር እዩ ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።