መቐለ —
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰኑይ “ለበዋ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንሊህቃን ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ፋይስቡክ መልእኽቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ንታሪኽ መኸተን መስዋእቲን ህዝቢ ትግራይ ብምዝርዛር መሪሕነት ክልል ትግራይ ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ዝጸውዐ መልእኽቲ፡ ኣብ ተወላዶ ትግራይ ዝተፈራረቐ ስምዒት ፈጢሩ ምህላዎ’ዮም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወገናት ይገልጹ። እቲ ጻውዒት ኣብ እዋኑ ዝመጽአን ሊህቃን ክልል ትግራይ ድማ ብቕልጡፍ ጉዳያቶም ክፈትሑ ዝጽውዕን ክብሉ እንከለዉ፡ ገለ ግን ብትግርኛ ምጽሓፉ’ውን ምስቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ተመሳሳሊ ጻውዒትን መልእኽቲን ዘተኣሳሰሩዎ ኣለዉ።
ቅጥዒ