ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ሃገራት ዓለም ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ


ዕውት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን
ዕውት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን

ኣብ ፈረንሳ፡ ንግዲ-ተኮር ውህደት ኣውሮጳ ዝብል መርገጺ ዝሓዘትን የማናዊ ኣተሓሳስባ ትኽተል ለ-ፓንን ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኮይኖም ዝተዓወቱ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ካብ ዙርያ ዓለም ዝተፈላለየ ግብረ-መልሲ ይውሕዘሎም ኣሎ።

ጋዜጣታት ጀርመን “ ወዲ ተወሊዱ፡ ኣውሮጳ ስዒራ ዝብል ኣርእስቲ ሒዘን ወጺአን፡ ገሊኦም እፎይ ኢሎም ገሊኦም`ድማ ብማክሮን ብዙሕ ኣይተሓጎሱን” ክብላ ጽሒፈን ኣለዋ።

ሳንድራ ሓንቲ ካብ ብዛዕባ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ግብረ መልሲ ዝሃቡ ኾይና፡ ካልኦት ትድግፎም ኣብ`ቲ ውድድር ዘይምንባሮም ባህ ኣይበለንን ትብል።

“ብኸምዚ ዓይነት ምርጫ ክውሰን የሕዝነኒ። ለ-ፓን ዘይምዃና ተመስገን ዘብል`ዩ።እዚ ማለት ግን ኩሉ ማክሮን ክምረጽ ይደልይ ኔሩ ማለት ኣይኮነን። ንኣውሮጳ ግን ግርም`ዩ ።”

ናይ ጀርመን ቻንስለር ኣንገላ መርከል ናብ ምሩጽ ፕረዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ቴሌፎን ደዊለን እንቋዕ ሓጎሰካ ኢለን ኣለዋ።

“ኢማኑኤል ማክሮን ንተስፋ ሚልዮናት ፈረንሳውያን- ንተስፋ ብዙሓት ጀርመናውያንን ኣውሮጳውያን ዝተሰከመ`ዩ። ደጋፊ ኣውሮጳውያን ዝኾነ ተባዕ ጎስጓስ ጌሩ። ንዓለማዊ ግሉጽነት ደው ዝበለ`ዩ- ኣብ ማሕበራዊ ዕዳጋ ዘተኮረ ቁጠባ ዝድግፍ`ዩ”።

ናይ ብሪጣንያ ቀዳመይቲ ሚንስትር ተሪሳ መይ፡ ኣብ `ቲ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ትውጻእ`ዶ ኣይትውጻእ ዝብል ልዝብ፡ መረጽቲ ከም ናይ ማክሮን ዝበለ ስልጣን ክህብዋ ትሓትት።

“ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ`ውን ኣብ`ቲ ንገብሮ ልዝብ ሓያል መርገጺ ንኽንሕዝ ካብ መረጽቲ ሓያል ስልጣን ምርካብና ክነረጋግጽ ኣለና።”

ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ትራምፕ ብናይ ትዊተር መልእኽቲ ፡” ዓብይ ዓወት`ዩ “ድሕሪ ምባል “ምስኡ ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ኣለና” ኢሎም ኣለው።

ሓደ ተንታኒ ካብ ካርኔጅ ኢንደውመንት ዝተባህለ ትካል ማክሮን ሓዲሽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ንምዃን ብ66 ሚእታዊት ስዒሮም ኣለው፡ እንተኾነ ንሓደ ኣብ ፖለቲካ ፈረንሳ ብዙሕ ዘይፍለጥ ፖሊቲከኛ ዓቢይ ፈተና`ዩ ዝጽበዮ ዘሎ። ዝቕጽል ስራሕ ኣብ ዘቤታዊ ኣጀንዳታት ክዕወት እንተኾይኑ፡ ኣብ ፓርላማን ኣብ ሰነትን እኹል መናብር ከረጋግጽ ኣለዎ ይብል ።

ኢማኑኤል ማክሮን፡ ድሕሪ ናፖሊዮን ቦና ፓርተ ዝነኣሰ ንፈረንሳ ዝመርሕ ፕረዝደንት ኮይኑ`ሎ።

ብልጽግና ንኹሉ ዝብል መርገጽ ሒዙ ዝተበገሰ ማክሮን፡ ነታ ኣብ መንጎ ግሎባውነትን ብሄርተኝነትን ተመቒላ ትርከብ ሃገር ኣብ ምትሕብባራ ዓቢይ ብድሆ ይጽበዮ`ሎ።

“ኣውሮጳ ኾነት ዓለም ነቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣብ ስግኣት ወዲቑ ዘሎ ተስፋ ሓርነት ክንሕልዎ ይጽበዩና`ለዉ። ነቶም ዝተጨቆኑን ናጽነት ዝሰኣኑን ክንከላኸለሎም ይግብኣና። ሓዲሽ ተስፋ፡ ሓዲሽ ሰብኣውነት፡ ሰላማዊት ዓለም፡ ናጽነታ ዝተኸብረ ዓለም፡ ዕብየት ፍትሒ ሚዛናዊነት ተፈጥሮ ኸባቢ ክንሕሉ፡ ብሓጺሩ ንሕና፡ ንሕና ንኽንከውን ትጽቢት ይግበረላ።”

እቲ ድፍኢት ድሮ ጀሚሩ`ሎ፡ ኣማኢት ሰባት ነቲ ፓላስ ዲ-ላ ረፓብሊካ መሊኦም፡ ኢማኑኤል ማክሮን ከምታ ቃል ዝኣተውዋ ዝኾነ ወገን ድሕሪት ከይተርፍ ጸዊዖም። እቶም ሰልፈኛታት ንመሰል ኣፍሪቃውያን ዑቕባ ሓተትቲ ዝጽውዑ ኔሮም።

ንዕዳጋ ምቹእ ዝኾነ ለውጢ ፡ ሕግታት ስራሕ ምፍኳስ፡ ክፉት ፖሊሲ ኢሚግረሽን ከምኡ`ውን ተወሳኺ ዕድላት ስራሕ ዝብል ፕሮግራማት ብምጉስጓስ ዝተዓወተ ኢማኑኤል ማክሮን፡ኣብ ቀረባ ቃለ-ማሕላ ብምፍጻም ፕረዚደንት ፈረንሳ ክኸውን`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ግብረ መልሲ ሃገራት ዓለም ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:36 0:00

XS
SM
MD
LG