ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኢትዮዽያ ኣብ ጀዳ ’ንእሱራት ዜጋታቱ ይበፅሖም ኣለኹ’ ይብል


ኣብ ስዑድ ዓረብ ብሕጋዊን ዘይሕጋዊን ኣገባብ ኣትዮም ንብዙሕ ፀገም ዝቃልዑ ኢትዮዽያውያንን ከምርከቡ ይፍለጥ።ብሕልፊ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ሰጊሮም ናብ ስዑድ ዓረብ ዝኣተው ኢትዮዽያውያን ብፖሊስ እናተሓፈሱ፣ናይ ቤት ፍርዲ ከምዝቀርቡን ዘይዋዓልዎን ዘይፈፀምዎን ተግባራት ተገዲዶም ገይርናዮ ኢና ኢሎም ንክኣምኑ ከምዝግበርን ገለ ካብ‘ቶም ተኣሲሮም ዘለው ከምዝገለፁልና ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ ጂዳ ኤምባሲ ኢትዮዽያ ምክትል ሓላፊ ቆንፅል ኣቶ ሸሪፍ ኬርይ ንኩነታት‘ቶም ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ጂዛን ኣብ ፀበባ ዘለው ኢትዮዽያውያን ክገልፁ ከለው” ዝሓለፈ ሰነ፣ኣብ ጂዛን ዑደት ብምፍፃም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለው ዜጋታትና በፂሕናዮም ኢና።ን39 ደቂ-ተባዕትዮን ን12 ደቂ-ኣነስትዮን ኣዘራሪብና ኣለና” ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ”ብመሰረት ዘለና ዓቅሚ ሰብ ናብ‘ቲ ስፍራ ተጓዒዝና ንኩነታቶም ክነፃርይ ሰሪሕና ኢና።ካልኣይ እግሪ‘ውን ክንብገስ ኢና። ብመሰረት ዝሓዝናዮ ዝርዝር ኣስማት፣ስለምንታይ‘ዮም እቶም ፍርዶም ዝወድኡ ዘይተፈትሑ ኢልና ክንሓትት ኢና።ኣብ መስርሕ ፍርዲ‘ታ ሃገር ጣልቃ ምእታው ዘይካኣል‘ኳ እንተኾነ፣እቶም ፍርዶም ዝፈፀሙ ግና ኣብ ጊዚኡ ክፍትሑ፣ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኣለው እንተኾይኖም‘ውን ንክረኽቡ ክንሰርሕ ኢና” ይብሉ ኣቶ ሸሪፍ ኬርይ።

ኤምባሲ ኢትዮዽያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ንኩነታትና ኣይከታተልን ዘሎ ዝብል ነቀፌታ ግና፣ኣብ እዋኑ ተበጊስና በፂሕና‘ለና፣ ድሕሪ ምዝዛም ፆም ረመዳን ድማ ተመሊስና ክንበፅሖም ኢና ኢሎም።

ኤምባሲ ኢትዮዽያ ኣብ ጂዳ፣ንኩነታት ኣብ ጂዳ፣መካ፣መዲና፣ጣይፍን ጂዛንን ዝነብሩ ኢትዮዽያውያን ከምዝከታተል ዝገለፁ ኣቶ ሸሪፍ ኬይር፣ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ኢትዮዽያውያን ኣብ‘ቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ጠቂሶም። ድሕሪ ምብፃሕ ጉጅለ ልኡኽ‘ቲ ኤምባሲ፣ኩነታት‘ቶም እሱራት ምምሕያሽ ኣርእዩ እንተኾይኑ ኣብ ቀፃሊ መደባትና ንድህስሶ ጉዳይ ክኸውን‘ዩ።

XS
SM
MD
LG