ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ራያ ቆቦ ብሰንኪ ጥምየት ከብቲ ይሞታና ኣለዋ፡ ዝሞተ ሰብ ግን የለን ኢሎም ነበርቲ


ኣብ ራያ ቆቦ ብፍላይ ቀዩ ጋራ ኣብ ዝበሃለ ከባቢ ብሰንኪ ዘጓነፈ ኣዝዩ ትሑት መጠን ዝናብ እዚ እዩ ዝበሃል ፍርያት ከምዘይረኸቡ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ይገልፁ።

መንግስቲ ሓገዝ እኽልን ዘይትን ከምዝሃቦም ገሊፆም ይኹን እምበር እቲ ሓገዝ እኹል ከምዘይኰነ ግና ይዛረቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንኸሎ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞተ ሰብ ዘይምህላዉ እቶም ሓረስቶም ገሊፆም ኣለዉ። ኣብ ከብቲ ግን ጉድኣት ይወርድ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ተፀዋዒ ምክልኻል ሓደጋን መደባት ውሕስነት ምግብን ኣይተ መሓመድ ያሲን ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ዘጓነፈ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ክልተ ወረዳታት ዝርከባ 54 ጣብያታት ብድርቂ ከምዝተሃሰያ ይገልፁ። ካብዚ ብምብጋስ መንግስቲ ሓገዝ ይህብ ስለዘሎ ዛጊት ዝሞተ ሰብ ኮነ ዝጠመየ ከምዘየለ ይዛረቡ።

ናብቲ ከባቢ ዝተጓዓዘ ግርማይ ገብሩ ብዓይኑ ዝረኣዮን እቶም ሓረስቶት ንዝገለፅዎን መሰረት ገይሩ ዘሰናደኦ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG