ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፋብሪካ ቢራ ራያ ኣብ ምምካት ሓደጋ ድርቅን ኣብ ማሕበረሰባዊ ልምዓትን ይሕግዝ'ሎ


ፋብሪካ ቢራ ራያ ትርፊ ንምውህላል ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሕብረተሰባዊ ልምዓት እውን ንምስታፍ ዓሊሙ ስለዝተጣየሸ ብመሰረት ዕላምኡ ይሰርሕ'ሎ ኢሎም ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ዝነበሩ ኣቶ ኣታኽልቲ ኪሮስ።

ካብዚ ዕላማ እዚ ብምብጋስ ብሰንኪ እቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ድርቂ ንዝተፀገሙ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝርከቡ ሓረስቶት 20 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ተረፈ ምህርቲ ንቐለብ ጥሪት ሂቡ እዩ፤ ሕጂ’ውን ይህብ'ሎ።

ፋብሪካ ቢራ ራያ ኣብ ልምዓት ትምህርቲ እውን ኢዱ ብምሕዋስ ኣብ ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ፀገም ንዘለወን 800 ደቂ-ኣንስትዮ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተን ብዝግባእ ክቕፅላ ን3 ዓመታት ክሕግዘን እዩ ኢሎም ኣቶ ኣታኽልቲ ኪሮስ።

ከምኡ’ውን ኣብ ወረዳታት ትግራይ ተወጢኖም ዘይተዛዘሙ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ተወሳኺ ዓቕሚ ረኺቦም ብእዋኑ ክዛዘሙ እሞ ንኣገልግሎት ክበቕዑ ፋብሪካ ቢራ ራያ ይሕግዝ ኣሎ። ብተወሳኺ ንማሕበራት ሓብሐብቲ ኣረጋውያን እውን ሓገዝ ከምዝሃበ ተገሊፁ ኣሎ።

ዛጊት ብድምሩ ኣስታት 10 ሚልዮን ቅርሺ ንሕብረተሰባዊ ልምዓት ጥራሕ መዲቡ ይሰርሕ ምህላዉ መግለፂ ኣቶ ኣታኽልቲ ኪሮስ የረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፋብሪካ ቢራ ራያ ኣብ ምምካት ሓደጋ ድርቅን ኣብ ማሕበረሰባዊ ልምዓትን ይሕግዝ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:32 0:00

XS
SM
MD
LG