ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፋብሪካ ቢራ ራያ፣መስከረም መስተ ቢራ ከቅርብ እዩ


ምልክት ቢራ ራያ
ምልክት ቢራ ራያ
ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ማይጨወ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ዝውንኑዎ ብ1.6 ቢሊዮን ቅርሺ ወፃኢ ይህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ቢራ ራያ ኣብ ዝቕፅል መስከረም ቢራ ምፅማቊ ከምዝጅምር ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ኣቶ ኣታኽልቲ ኪሮስ ሓቢሮም።

እቲ ፋብሪካ ዝተኣሳሰረ ረብሓ ከምዝህልዎ ዝጠቀሱ ኣቶ ኣታኽልቲ፣ሓረስታይ‘ቲ ከባቢ ኣብ ዓመት ክሳብ ሰለስተ ጊዜ ስገም ብምፍራይ ኣታዊኡ ከድንፍዕ ከምዘኽእሎ፣ምስ ናእሽትን ደቀቅትን ዝራኸብ ረብሓ፣ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ካልኦትን ረብሓታት ከምዘምፅእ ሓቢሮም።

ህንፀቱ ብህፁፅ እናተሳለጠን ዘድልዩ ኣቑሑት እውን ካብ ወፃኢ ይኣቱ ከምዘሎን ኣቶ ኣታኽልቲ ገሊፆም።ዝርዝሩ የድምፁ።
ቃለ-ምልልስ ምስ ኣቶ ኣታኽልቲ ኪሮስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:08 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG