ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘይንቡር ቀዝሒን ውርጪን ንደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ይሃርም


ዘይንቡር ቀዝሒን ውርጪ ኣብ ኒው ኦርላይንስ
ዘይንቡር ቀዝሒን ውርጪ ኣብ ኒው ኦርላይንስ

ዘይንቡር ቀዝሒን ውርጪን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካን ኣብቲ ብልምዲ ብዙሕ ዘይጽሎ ኣከባቢን ይሃርም ብምህላዉ ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕጸዋን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክበዂርን ድፍኢት ገይሩ ኣሎ።

ኣብታ ንልዕሊ 10 ዓመታት ውርጪ ወሪዱዋ ዘይትፈልጥ ኒው-ኦርሊንስ፡ ሰሉስ ክሳብ 10 ኢንች ወይ ድማ 25 ሰንቲሜተር ዝዓቐኑ ውርጪ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ፍሎሪዳ ዝተራእየ ዘይንቡር ቀዝሒ ንኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ጃክሰንቪል ከም ዝዕጾ ገይሩ ኣሎ።

ብድምሩ ኣብ ደቡባዊ ወገን ኣመሪካ፡ ሰሉስ ጥራይ ልዕሊ 2300 በረራታት ተሰሪዙ። ኣብ ህዩስተን ቴክሳስ ክሳብ ኣርባዕተ ኢንች ወይ ድማ 10 ሰንቲሜተር ዝበጽሕ ኩምራ ውርጪ ወሪዱ።

ኣብ ቴክሳስ ውርጪ ክወርድ ንቡር ስለ ዘይጸንሐ ምምሕዳር ከተማታትን ትሕተ-ቅርጺን ንዕኡ ዝተዳለወ ብዘይምዃኑ ንምግጣሙ ኣሸጋሪ ኰይኑ ከም ዘሎ ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ብሰንኪ እቲ ዝወረደ ቀዝሒ ኣብ ኦስተን ቴክሳስ ክልተ ሰባት ምማቶም ምምሕዳር እታ ከተማ ሓቢሩ። ዝርዝር ኣማውታ ግን ኣይተጠቕሰን።

ክፍለ-ሃገራት ጆርጂያ፡ ልዊዛና፡ ሚሲሲፒ፡ ኣላባማን ፍሎሪዳን እቲ ቀዝሒን ሓደገኛ ውርጪን ናብኣተን ገጹ የምርሕ ስለ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጀን ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG