ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ዒራቕ ብመንግስቲ ሶርያ ዝካየድ ግብረመልሲ ንምድጋፍ ናብታ ሃገር ይዋፈሩ


ተቃወምቲ መንግስቲ ሶርያ ኣብ ከተማ ኣሌፖ
ተቃወምቲ መንግስቲ ሶርያ ኣብ ከተማ ኣሌፖ

ንዝዓበየት ናይ ሶርያ ከተማ ኣሌፖ ዝተቆፃጸሩን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ የመዝግብዎ ንዘለዉ ግስጋሰ ንምግታእ መንግስቲ ሶርያ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ፀረ-መጥቃዕቲ ንምድጋፍ ብኢራን ዝድገፋ ሚሊሽያታት ዒራቕ ኣብ ሶርያ ምውፋሮም ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓደ በዓል-ስልጣን’ቲ ጉጅለ ሚሊሽያን ሓደ ተዓዛቢ ኲናት ሶርያን ብጣህሪር ኣልሻም ዝምርሑ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኣሌፖ ብኽልተ ኣንፈት መጥቃዕቲ ብምኽፋት ናብ ውሽጢ ኣሌፖ ናብ ኢድሊብን ከተማ ሃማ ምእታዎም ሓቢሩ።

ናብ ሶርያ ዝገሹ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣርጋሺ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደማስቆ ምስ ፕረዚደንት ባሸር ኣሳድ ተራኺቦም ኢራን ንመንግስቲ ሶርያ ሙሉእ ደገፍ ከምትህብ ኣፍሊጦም’ለዉ።

እቶም ሚኒስተር ብድሕሪ ናይ ሶርያ ምብፃሕ ናብታ ቀንዲ ደጋፊት’ቶም ደባይ ተዋጋእቲ ዝኾነት ቱርኪ'ውን በጺሖም'ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG